ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዑደት የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 07 December 2021

ወራሲ ዓራትን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚን ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ናብ ሓሙሽተ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዑደት የካይድ ኣሎ።

ዑደቱ ብ6 ታሕሳስ፣ ብዖማን ዝጀመረ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕረይን፣ ቀጠርን ኩዌትን ክበጽሕ ምዃኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጻን።

ካብ 2017 ኣትሒዙ፣ ንቀጠር ኣብ ከበባ ዘእተወ ምክፍፋል ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ መጀመርያ እዚ ዓመት ድሕሪ ምብቅዑ፣ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ናብታ ሃገር ክበጽሕ እዚ ንፈለማ እዋን ክኸውን’ዩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ወራሲ ዓራት፣ ኣብ መንጎ ሽዱሽተ ሃገራት ወሽመጥ፣ ናይ ጸጥታ፣ ወትሃደራዊ፣ ዲፕሎማሲ፣ ፖሊስ፣ ንግዲን ወፍሪን ንዝህሉ ምትሕግጋዝ ንምዕባይን ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ብፍላይ፣ ኢራን ኣብ ጉዳይ ኑክሌር ተቛሪጹ ዝነበረ ዝርርብ ዳግም ድሕሪ ምጅማሩ፣ ዑደት መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ሃገራት ወሽመት ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ዝህልወን ሓባራዊ መርገጺ ከነጽር ተኽእሎ ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

ሓላፊ ጸጥታኣ ናብ ኢራን ልኢኻ ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስታ ኣብ ተነጽሎን እገዳን ሃገራት ምዕራብ እትርከብ ሃገር፣ ዝምድናኣ ንምምሕያሽ ተበግሶ ወሲዳ ከምዘላ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኢራንን እናገፍሐ ክኸይድ ዝጸንሐ ምፍጣጥ፣ ነቲ ኣብ የመን ካብ 2015 ኣትሒዙ ዝተወልዐን ‘ናይ ውክልና’ዩ’ ዝብሃልን ኵናት፣ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክናደየሉ ኣፍደገ ክኸፍት ከምዝክእል ይግለጽ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ የመን ዝኸፈትኦ ኵናት፣ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብን ‘ብኢራን ይድገፍ’ዩ’ ንዝብልኦን ሑቲ፣ ኣብቲ ዞባ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከይፈትጥ ብዝብል ጉልባብ ምዃኑ ቀ ይትንተን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0