ሩስያ፣ ኣብ ሱዳን፣ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዳህሳስ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ከተካይድ’ያ

ሩስያ፣ ኣብ ሱዳን፣ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዳህሳስ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ከተካይድ’ያ

Radio Erena: 26 July 2018

 rosegeologiaሩስያ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዳህሳስ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ከተካይድ ምዃና ኣገልግሎት ዜና ቻይና- ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ወከልቲ መንግስታት ሱዳንን ሩስያን ብሰሉስ 24 ሓምለ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ዝኸተምዎ ስምምዕ’ዩ።

ብወገን መንግስቲ ሱዳን ምክትል ሚኒስተር ነዳድን ጋዝን ባከት ኣሕመድ ዓብደላ ብወገን ሩስያ ከኣ፣ ዋና ጸሓፊ ኩባንያ ሮስጂዮሎጅያ (Rosgeologia) ሰርጌ ፓኖቭ ‘ዮም ነቲ ስምምዕ ከቲሞሞ።

ኣብቲ ናይ ምኽታም ስነ ስርዓት፣ ሚኒስተር ተፈጥሮኣዊ ጸጋታታት ሩስያ ዲሚትሪ ኮቢልኪን ዝርከቦም ወከልቲ መንግስቲ ሩስያ’ውን ተረኺቦም ኔሮም።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከምዝተመያየጠ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ወትሃደራዊ፣ ጸዓትን ካልእ ጽላታታትን ብዛዕባ ዝካየዱ ናይ ንግድን ምትሕግጋዝን ተኽእሎታት ከምዝተዘራረቡ ይዝከር።

ሩስያ፣ ኣብ ፖርት ሱዳን’ውን መጻረዩ ነዳዲ ንምህናጽ ምስ መንግስቲ ሱዳን ተሰማሚዓ ምህላዋ ይግለጽ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0