ኣስመራ፣ ሰፊሕ ናይ ጸሎትን ምህለላን መደብ ተኻይዱ

ኣስመራ፣ ሰፊሕ ናይ ጸሎትን ምህለላን መደብ ተኻይዱ

Radio Erena: 24 July 2018

Asmara churches

ኣብ ኣስመራ፣ ብኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ዝተወደበ ሰፊሕ ናይ ጸሎትን ምህለላን መደብ ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ትማሊ 23 ሓምለ ዝተኻየደ ሰፊሕ ጸሎትን ምህለላን፣ ንጹርን ግሉጽን ዘይኮነ ስምምዕ ሰላም ፕረዚደንት ኢሳይያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝፈጠሮ ሻቕሎት ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ጎደናታት ኣስመራን ዝተኻየደ ጸሎትን ምህለላን፣ እሱራት ክፍትሑ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ መንበረ ጵጵስንኦም ክምለሱን ምሕረት ሓድሕድን ሰላምን ክወርድ ዝጽውዕ’ዩ ኔሩ።

ካህናት ኣብቲ ኣጋጣሚታት ኣብ ዘስምዖ መልእኽታት፣ ህዝቢ ካብ ሃላሊ ጣቕዒታትን ጓይላን ነብሱ ገቲኡ፣ ካብ ፈጣሪ ሰላምን ምሕረትን ክወርደሉ ክጽሊን ክምህለልን ተላብዮም።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ ጴንጠ ከይተረፉ ኣብ ጎደና ኣስመራ ብዓውታ ክጽልዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናይ እምነትን ምዝራብን መሰሉን ተሓሪሙ ዝብል ኣሉታዊ ስምዒታት ኣሕዲሩ ምህላዉ ክግለጽ ቀንዩ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ንዜጋታቱ ናይ ስራሕ ይኹን ናይ ወፍሪ ዕድላት ሓሪሙ ፈቐዶ ስደትን ማእሰርትን ዝገበረ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኢትዮጵያውያን ኣውፈርቲ ሰፊሕ ዕድላት ክህብ ምድላዋት ይገብር ምህላዉ’ውን ንህዝቢ ኣቖጢዑ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ህግደፍ፣ እሱራት ክፍትሑ’ዮም፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ’ዩ፣ ሰራዊት ክጣየስ’ዩ ዝብሉን ካልእን ናይ ሓሶት ወረታት የናፍሱ ምህላዎም እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረዲኦም።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሬድዮ ኤረና ዝቐረበ ኣስታት 400 ኣመንቲ ጴንጠቆስጣል ተፈቲሖም ዝብል ዜና፣ ብጌጋ ምንባሩን እቲ ቁጽሪ ኣስታት 40 ምዃኑ ንሰማዕቲ ምስ ናይ ይቕሬታ ንሕብር።

 

ስእሊ፣ኢንተርነት ኣርካይቭስ

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0