ን27 ዓመታት ተኸፋፊላ ዝጸንሐት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዳግም ከምዝሓበረት ተሓቢሩ

ን27 ዓመታት ተኸፋፊላ ዝጸንሐት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዳግም ከምዝሓበረት ተሓቢሩ

Radio Erena: 26 July 2018

ethi patriarichብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ክልተ ተገሚዓ ዝጸንሐት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ከምዝሓበረት ፋና ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እታ ን27 ዓመታት ተኸፋፊላ ዝጸንሐት ቤተክርስትያን ከምዝሓበረት ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝርከቡ ሲኖዶስ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ዕርቅን ሰላምን መስርሕ’ዩ።

እታ ቤተ ክርስትያን፣ ናይ ስደትን ናይ ውሽጢ ሃገርን ዝብሃል ሲኖዶስ ተሪፉ ብሓደ ክቐውም ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሓ፣ ብሰንኪ ምክፍፋላ ተመቓቒሉ ዝጸንሐ ምእመናን’ውን ናብ ሓደ ንምስማሩ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያ።

እዚ ናይ ዕርቅን ሰላምን መስርሕ ዝተጀመረ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ድሕሪ ዘካየዶ ሰፊሕ ምምይጥ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ብተመሳሳሊ ጉዳያት ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ መጅልስ ናይ እምነት ምስልምና ብሓባር ክሰርሕ ከምዝወሰነ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ኣረጋጊጾም’ዮም።

ኣብ ኤርትራ’ውን ከምዚ ናይ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስትን ፖለቲካን፣ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ተገሚዓ ከምዘላ ይፍለጥ።

ፓትርያርክ እታ ቤተ ክርስትያን ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮንስ’ውን ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ክርከቡ እንከለዉ፣ እታ ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ሞት እቶም ብህግደፍ ዝተሓርዩ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ብዘይኣላዩ ተሪፋ ብፖለቲካውያን መራሕቲ ትመሓደር ከምዘላ ይፍለጥ።

ብሰንኪ ተመሳሳሊ ጸገማት፣ ኣውቓፍ ናይ ኤርትራ’ውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሕጋዊ ሙፍቲ ክትክእ ከምዘይክኣለ ይግለጽ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0