መንግስቲ ኤርትራ፣ ንምምላስ ኤርትራውያን መንገዲ ከጣጥሕ ከምዝኽእል ናብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ደብዳቤ ልኢኹ

Radio Erena: 05 December 2016

Israel Eritrea

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም ንምምላስ፣ መንግስቲ ኤርትራ መንገዲ ከጣጥሕ ከምዝኽእል ካብ እስራኤል ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ዝተላእከ ደብዳቤ ገሊጹ።

እቲ ናብ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ዝተላእከ ደብዳቤ፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም እንተተመሊሶም፣ ጸገም ከምዘይበጽሖም ከምዘረጋገጽ ምዃኑው’ን ሚኒስተር ውስጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣርየ ደሪ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቻነል 20 ንዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ምርኩስ ብምግባር ነዚ ሓበሬታ ዘቃለሐት ብቋንቋ ፈረንሳ እትዝርጋሕ መርበብ ሓበሬታ jssnews.com፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዘሕልፎ ውሳኔ ይጽበ ከምዘሎ ኣምልኪታ።

እስራኤል፣ ዝተፈላለየ ጸቕጢ እናፈጠረተ ንሓያሎ ኤርትራውያን ናብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ከምዝምለሱ ትገብር እኳ እንተላ፣ ብዛዕባ’ቶም ገና ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታት ትዝትየሉ ኣላ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ነዞም ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሃገሩ ንምጥራዝ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ መንግስታት ኡጋንዳን ሩዋንዳን ዘካይዶ ዘሎ ዝርርባት፣ ምስቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብደረጃ ዓለም ግኑን ስም ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ምስጢራዊ ርክባት ከምዘካይድ’ዩ ዝንገረሉ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ፍቓደኛታት እንተዘይኮይኖም ተጠሪዞም ንዝመጽእዎ ኤርትራውያን ከምዘይቕል’ዩ ደጋጊሙ ክገልጽ ጸኒሑ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0