መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ኣቛሪጹ

Radio Erena: 05 December 2016

Qatar air

መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ካብን ናብን ኣስመራን ዶሓን እተካይዶ ዝነበረት ናይ መጓዓዝያ በረራታት ካብ 3 ታሕሳስ ኣትሒዛ ኣቛሪጹ።

እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2014 ናይ መጓዓዝያ በራራታት ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ብቀዳም 3 ታሕሳስ ናይ መወዳእታ በረርኡ ካብ ኣስመራ ብምክያድ፣ ናይ ኤርትራ ኣገልግሎቱ ከምዘቋረጸ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ናብ ኣውስትራልያ፣ ኣየርላንድ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ሓድሽ ናይ በረራታት መስመር ንምጅምራ ምድላዋት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፣ በንጻሩ ነቲ ናይ ኣስመራ በረራታቱ ዘቛረጸሉ ምኽንያት ብወግዒ ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝኾነ መኽሰብ ክርከቦ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ መንገዲታት ኣየር ብዶላርን ኤውሮን ምጥቃም ስለዘጸገመ ምዃኑን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

መንገሲ ኣየር ሉፍታንዛ’ውን ብሰንኪ ተመሳሳሊ ምኽንያት ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ኣብ 2013 ደው ምባሉ ይዝከር።

መንገዲ ኣየር ግብጺ’ውን፣ ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ንምቕጻሉ ደኣ’ምበር ዝኾነ መኽሰብ ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።

ምስ ምቁራጽ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ካብን ናብን ኣስመራን ካልእ ክፋል ዓለም ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ዘለዋ መንገዲታት ኣየር ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ግብጽን ቱርኪን ጥራይ’የን።

መንገዲ ኣየር ሱዳንን ኤርትራን፣ ብጉዳይ ድሕነት ናብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለም ናይ መጓዓዝያ በረታት ከከካይዳ እጉዳት ምስ ምዃነን ናብ ካልእ ክፋል ዓለም ከም መራኸቢ ዘገልግላ መንገድታት ኣየር ቱርኪን ግብጽን’የን።

ብሰንኪ ክሳራ ተደጋጋሚ እዋን፣ ከቋርጽ ተገዲዱ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ’ውን፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ስሩዕ ኣጋልግሎት ካብ ምህባ ተሰናኺሉ፣ ንዓማዊል ከከላብት ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0