ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 05 December 2016

King

ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዑደት ንምክያድ፣ ጉዕዞኡ ብቀዳም 3 ታሕሳስ ብሕቡራት ኢማራት ጀሚሩ።

ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቀጺሉ ድማ ናብ ቀጠር፣ ባሕሬንን ኩዌትን ከላግስ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዑደት ንጉስ ሳልማን፣ ኣብ ጉዳይ የመን ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ተሰሊፈን ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገብራ ዘለዋ ሃገራት ዓረብ ንምምስጋን ኣብ ጉዳያት ኢራን፣ ሶርያን ሩስያን ብዛዕባ ዘለዎም መርገጺታት ንምዝርራብ ዝዓለመ ምዃኑ ተንተንቲ ማእከላይ ምብራቕ የረድኡ።

ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቕዳው’ውን ሓድ ካብ ዝተላዕለ ኣርእስታት ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ንጉስ ሳልማን ምስ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ዘካየዶ ርክባት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጉዳይ ናይተን ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ኮይኑ ዘሎ ምንቁልቋል ዋጋታት ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ይዝትየሉ ምህላዉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብቲ ዞባ የመልክታ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0