መንግስቲ ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ዘለዎም ዝምድና ድኹም ምዃኑ ተገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ዘለዎም ዝምድና ድኹም ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena : 23 January 2015

Fath

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ንስግነት ስዑዲ ዓረብን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ድኹም ምዃኑ፣ ኣብቲ ኤምባሲ ብደረጃ ቆንስልን ካልእ ጽፍሕታትን ንትሽዓተ ዓመት ዘገልገለ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ፈትሒ ዕስማን ኣሕመድ ገሊጹ።

ፈለማ ኣብ ፓኪስታን ደሓር ከኣ ካብ 2003 ክሳብ 2011 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለ ኣቶ ፈትሒ ዖስማን ኣሕመድ ንሓፈሻዊ ኣሰራርሓ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑድን ዝምድና መንግስታት ክልትኤን ሃገራትን ኣመልኪቱ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ’ዩ ነዚ ዝገለጸ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ’ውን ምስታ ሃገር ዝምድናታት ካብ ምጥንኻር ንላዕሊ፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ገንዘብ ኣብ ምእካብ ተጸሚዱ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

 

ኤርትራ ምስ ኢራን እስራኤል ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑትን ዝምድና ክህልዋ ይኽእል’ዩ ዝብል ጥርጣረታት ነቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ ክህልዎ ዝግባእ ዝምድናታት ብኣሉታ ጸልይዎ ከምዘሎ’ውን ኣቶ ፈትሒ ኣረዲኡ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየዶ ቃል መጠይቕ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ብምክያድ ምስ ንጉስ እታ ሃገር ንኽዘራረብ ዘቕረቦ ዝነበረ ተደጋጋሚ ጻውዒታት ንሓያሎ ዓመታት ከምዝተነጽገ’ውን ብኣብነት ጠቒሱ።

ኣቶ ፈትሒ፣ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራ ዝነበራ ሕልምን ተስፋን ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ናይ ምልኪ ደረጃን ብዝምልከት ኣብ 2013 ብቋንቋ ዓረብ መጽሓፍ ዘዳለወ’ዩ። 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ንጉስ ዓብደላ ናይ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መበል 90 ዓመቱ ታምሊ ናይ ኣጋ ምሸት ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ብደረጃ ቆንስልን ካልእ ጽፍሕታትን ምስ ዘገልገለ ኣቶ ፈትሒ ዑስማን ኣሕመድ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወና ተኸታተሉ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0