ኣብ ጀርመን ሓያል ምልዕዓል ዝፈጠረ ሞት ኤርትራዊ ካልድ ኢድሪስ ባህራይ፣ ብሓደ ካብ ኤርትራውያን መዳቕስቱ ከምዝተፈጸመ ፖሊስ ሓቢሩ

ኣብ ጀርመን ሓያል ምልዕዓል ዝፈጠረ ሞት ኤርትራዊ ካልድ ኢድሪስ ባህራይ፣ ብሓደ ካብ ኤርትራውያን መዳቕስቱ ከምዝተፈጸመ ፖሊስ ሓቢሩ

Radio Erena : 23 January 2015

Kaldld

ኣብ ጀርመን ሓያል ምልዕዓል ዝፈጠረ ሞት ኤርትራዊ ካልድ ኢድሪስ ባህራይ፣ ብሓደ ካብ ኤርትራውያን መዳቕስቱ ከምዝተፈጸመ ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ።

እቲ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ምስቲ ኣብ ጀርመን ኣንጻር ስደተኛታትን ኣኽረርቲ ኣመንቲ ምስልምናን ዝካየድ ዘሎ ሰልፍታት ብዝተተሓዘ ተቀቲሉ ክኸውን ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ፖሊስ ጀርመን ትማሊ ብዝሃቦ ሓበሬታ ግና ሓደ ካብ ኤርትራውያን መዳቕስቱ ከምዝቀተሎ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

 

እቲ ዛጊት ስሙ ዘይተሓበረ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ ብፖሊሲ ኣብ ዝተኻየደሉ መርመራ ንኻልድ ባዕሉ ከምዝቀተሎ’ውን ተኣሚኑ ኣሎ።

ኣርባዕተ ክፍሊ ኣብ ዘሎ መንበሪ ገዛ ምስ ኻልድ ሸውዓተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ይቕመጡ ምንባሮም ኣቐዲሙ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ናብ ጀርመን ካብ ዝኣቱ ዓመቱ ዘይመልአ መንእሰይ ኻልድ ናብ 13 ጥሪ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ መላእ ኣካላቱ ብደም ተዓሊሱን ብኻራ ተወጋጊኡን’ዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ሞት እዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ፣ ኣብ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ሰለማዊ ሰልፍታት ኣለዓዒሉ’ዩ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0