መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክለዓል ወሲኑ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክለዓል ወሲኑ

Radio Erena: 03 June 2018

serawit ethመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከልዕሎ ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ገሊጹ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ብቀዳም 2 ሰነ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፣ ነቲ ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ንካልኣይ እዋኑ ዝጸንዐ ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ክለዓል ወሲኑ።

እቲ ኣዋጅ፣ ኣብታ ሃገር ንዝተጎሃሃረ ህዝባዊ ናዕቢ ንምቁጽጻር ከምዝጸንዐ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ምምዛዝ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ እቲ ስግኣት ስለዘየለ ካብ እዋኑ ኣቐዲሙ ክለዓል ከምዝተወሰነ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ይገልጻ።

እዚ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብቀዳም ዝተመሓላለፈ ውሳኔ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ብወከልቲ ህዝቢ ዝቖመ ባይቶ’ታ ሃገር ደገፍ ክረክብ ትጽቢት ይግበረሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ዝኣወጀሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ድሕነት ዜጋታት ንምሕላውን፣ ቅዋም’ታ ሃገር ንምኽባርን ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ምንቅስቓስ ዜጋታት ካብ ምግታእ ጀሚሩ፣ ክሳብ ሓይልታት ጸጥታ ምሉእ ስልጣን ስለዝተዋህቦም ኣብ ልዕሊ ዜጋታት’ታ ሃገር ዘውረዱዎ ግፍዒ ሕጋውነት ኣልቢሱ ብምባል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክወቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

ምብቃዕ’ዚ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ዝርከብዎም ሓያሎ ውልቀሰባት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝፍትሑሉ ዘለዉ እዋን ስዒቡ ዝመጽእ ዘሎ ብምዃኑ ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ረኺቡ’ሎ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0