ቁጠባ ሱዳን ናይ 54 ሚእታዊት ዝቕባበ ብምርኣይ ናብ ዝተሓተ ኣንቆልቊሉ

ቁጠባ ሱዳን ናይ 54 ሚእታዊት ዝቕባበ ብምርኣይ ናብ ዝተሓተ ኣንቆልቊሉ

Radio Erena: 03 June 2018

kudar sudanቁጠባ ሱዳን ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ናይ 54 ሚእታዊት ዝቕባበ ኣርእዩ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ፋይናንስ’ታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ሚኒስትሪ ብሓሙስ 31 ግንቦት ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ፣ ሃገራዊ ቁጠባ ሱዳን ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክረአ እንከሎ ጥራይ ብ21 ሚእታዊት ዝቕባበ ብምውሳኹ፣ ኣብታ ሃገር ከቢድ ቅልውላው ኣስዒቡ ከምዘሎ ጠቒሱ።

ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ሱዳን ኣብ 2018 ክረአ እንከሎ 4 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ’ዩ እቲ ሚኒስትሪ ዝገልጽ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፣ ስቲቭ ሀንክ፣ ቁጠባ ሱዳን 122 ሚእታዊት ዝቕባበ ብምርኣዩ፣ እታ ሃገር፣ ኣብ ዓለም ንቨንዙወላ ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ከምዘላ ምግላጹ ይዝከር።

ቀንዲ ጠንቂ ምንቁልቋል ቁጠባ ሱዳን ምጉዳል ሰደድን፣ ሸርፊ ባጤራ ወጻኢ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ምስፍሕፍሑን ምዃኑ’ዩ መንግስቲ ሱዳን ዝገልጽ። ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝርከቦም ኣህጉራውያን ውድባት ብወገኖም፣ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታትን ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝርከቦም ሓያሎ ጉድለታት ኣብ ስርዓተ ምሕደራ ምዃኖም ይገልጹ።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0