ሕብረት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ናይ 467 ሚልዮን ዩሮ ባጀት ሰሊዑ

ሕብረት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ናይ 467 ሚልዮን ዩሮ ባጀት ሰሊዑ

Radio Erena: 03 June 2018

refuሕብረት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ምብራቕን ምዕራብን ኣፍሪቃውያን ንምግታእን ኣብ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት መጽናዕቲ ንምግባርን ዘኽእሎ ናይ 467 ሚልዮን ዩሮ ባጀት ሰሊዑ።

እቲ ሕብረት ኣብ ትሕቲኡ ንዝመሓደር ‘ህጹጽ ረዲኤት ማዕከን ኣፍሪቃ’ ነዚ ባጀት ኣብ ዝስልዓሉ ዘሎ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ሰሊዑሉ ዝጸንሐ ናይ 147 ሚልዮን ዩሮ እዩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሓድሽ ዝስላዕ ዘሎ ባጀት፣ ካብ ምብራቕን ቀንኒ ኣፍሪቃን ንዝስደዱ መንእሰያት ኣብ ሃገሮም እንከለዉ ቁጠባዊ ደገፍ ብምሃብ፣ ከምኡ’ውን ብወለንትኦም ካብ ኤውሮጳ ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ስደተኛታት መጣየሲ ከገልግል ከምዝኾነ ካብ ቤት ጽሕፈት’ቲ ሕብረት ዝተዘርገሐ ዜና የመልክት።

ነዚ ተሓንጺጹ ዘሎ ዕማም ንምስላጥ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ብሓባር ብዝቐውም ሓይሊ ዕማም ክኸውን’ዩ ክብል እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ፈደሪካ ሞገሪኒ ንሕብረት ኤውሮጳ ወኪላ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ኣብ መንጎ’ዘን ዓበይቲ ውድባት ብከምዚ ዓይነት ሽርክነት ክስራሕ እዚ ናይ ፈለማ ግዜ ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ፣ ዕዉት ንምዃኑ ዘጠራጥር ከምዘይብላ ገሊጻ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ 1,287 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ጫድ ምግዕዓዞም፣ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ 150 ሶማላውያን ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ከም ኣብነት ጠቒሳ።

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደት ቀንዲ ዛዕባ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ ኣብዚ እዋን’ዚ ንመንግስቲ ሱዳን ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዩሮ ሓገዝ ብምሃብ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝስደዱ ኣብ ሱዳን እንከለዉ ንምግታእ ዝካየድ ፈተነ፣ ዕዉት ከምዘይኮነ፣ ብኣንጻሩ ከበድቲ ገበናት ንምፍጻም ኣፍደገ ምርሓዉ ብሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0