መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ግጭት ዝተዓጽወ መንገዲ የለን ይብል

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ግጭት ዝተዓጽወ መንገዲ የለን ይብል

Radio Erena: 14 August 2017

Negeri Lencho

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃቦ፣ ናብ ጂጂጋ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ግጭት ይካየድ ኣሎ ዝብል መግለጺ፣ ሓቕነት የብሉን ክብል መሊሱ።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነገሪ ለንጮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ግጭት ይኹን ዝተዓጽወ መንገዲ የለን ክብል መሊሱ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሓሙስ 10 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መገሻ መጠንቐቕታ፣ ንኣዲስ ኣበባን ጂጂጋን ኣብ ዘራኽብ መንገዲ ኣብ መንጎ ዝርከባ ዓድታት ብዝካየድ ዘሎ ሓያል ግጭት፣ እቲ መንገዲ ተዓጽዩ ከምዘሎ’ዩ ሓቢሩ።

እቲ ኤምባሲ መግለጺ ብምቕጻል፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ከምዝተዋፈረ ብምሕባር፣ እቲ መንገዲ ውሑስ ብዛዕባ ምዃኑ ግና ከምዘጠራጥሮ ጠቒሱ።

እንተኾነ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ መነ መን ምዃኑ መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣየነጸረን።

ይኹን’ምበር ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ብሄራት ኦሮሞን ሶማልን ብጉዳይ ክልላዊ ዶብ ተደጋጋሚ ግጭታት ክካየድ ብምጽንሑ፣ እቲ መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝጠቐሶ ግጭት መቐጸልታ ናይዚ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የገንዝቡ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0