ኣብ ኤርትራ ዝሃርም ዘሎ ዝናብ ተስፋ ይህብ

ኣብ ኤርትራ ዝሃርም ዘሎ ዝናብ ተስፋ ይህብ

Radio Erena: 14 August 2017

Rain Asmara

ብዋሕዲ ማይ ብኸቢድ ክሳቐ ዝጸንሐ ሰፊሕ ከባቢታት ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝዘንብ ዘሎ ጥሉል ክራማት ተስፋ ጌሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎን ነዊሕ ሰዓታት ዝጸንሕን ዝናብ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ደርቂ ከየጋጥሞም ሰጊኦም ዝጸንሑ ሓረስቶት ተስፋ ክገብሩ እንከለዉ፣ ፊስቶታቱ ኣብ ደገ ሰሪዑ ዝውዕልን ዝሓድርን ዝነበረ ህዝቢ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ከኣ ግዝያዊ ሩፍታ ረኺቡ ከምዘሎ ኣበሲሮም።

ብኸቢድ መነባብሮ ተዋህስዩን ብህሉው ናይ ምልኪን ፖለቲካዊ ምረትን ኣብ ከቢድ ሻቖሎትን መዋጥርን ወዲቑን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብተፈጥሮኣዊ ከቢድ ደርቂ ድማ ከይጥቓዕ ካብ ምስጋእ በብእምነቱ ጸሎትን ምህለላን ከዕርግ ይርአ ከምዘሎ’ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

 

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0