ሱዳን፣  ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዘቶም ኣስታት 40 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምጥራዞም ትዳሎ

ሱዳን፣ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዘቶም ኣስታት 40 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምጥራዞም ትዳሎ

Radio Erena: 11 August 2017

deport

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዝዎም 40 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ክጥርዝዎም ምድላዋት የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ብድምር 105 ሰባት ኣብ መኪና ተጻዒኖም ዶብ ሊብያ ክሰግሩ እኳ እንተሓዝዎም ኣብ ክልተ መቒሎም፣ ነቶም 40 ኣብ ካርቱም፣ ዓረቢ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክወስድዎም እንከለዉ፣ ሓንቲ ነፍሰጾር እትርከቦም 65 ግና ናበይ ከምዘእተውዎም ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣለን።

እንተኾነ፣ ሱዳናውያን ሓይልታት ጸጥታ ናብ ሊብያውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ሸይጦሞም ክኾኑ ይኽእሉ ዝብል ግምታት ኣሎ።

 

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0