መላእ ኤርትራ፣ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ብዘይኤሌክትሪክ

መላእ ኤርትራ፣ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ብዘይኤሌክትሪክ

Radio Erena: 19 August, 2014

Asmara Dark

መላእ ኤርትራ፣ እንደገና ብዘይኤሌክትሪክ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ኣቝጺራ ከምዘላ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ካብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ፣ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ብተኸታታሊ እዋን ኤሌክትሪክ ከምዘይነበረ ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ግና ሳሕቲ ኤሌክትሪክ ክርአ ጀሚሩ ኔሩ’ዩ።

እንተኾነ እቲ ዳግም ክቐላቐል ጀሚሩ ዝነበረ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ከምእንደገና ኣብዚ እዋን’ዚ ጠቕሊሉ ናብ ዘይምህላዉ ወሪዱ ኣሎ።

ዳርጋ ኣብ መላእ ኤርትራ፣ ኤሌክትሪ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን መመላእታ ኣቛሪጹ ይርከብ።

ካድራት መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሃገር ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣኼባታት ድማ፣ ጠንቒ ምቑራጽ ኤሌክትሪክ፣ መንግስቲ ዝበዝሐ ጸዓት ንዕደና ይጥቐመሉ ስለዘሎ’ዩ ክብሉ’ዮም ዝገልጹ።

 

እቶም ካድራት፣ ኣብ ዞባታትን ምምሕዳራትን ንዝህቢ ኣብ ዝህብዎ መግለጺታት፣ ካብ ማዕድን ብዝርከብ እቶትን ምስ ሱዳን ተበጺሑ ብዘሎ ስምምዕን፣ ጸገም ኤሌክትሪክ ኣብ ዝሓጸረ ከምዝፍታሕ’ውን ይሕብሩ።

እንተኾነ፣ ጸገም ኤሌክትሪክ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመቱ፣ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብእስ እንተዘይኮይኑ፣ ንእሽቶ’ውን ትኹን ምምሕያሽ ኣየርኣየን።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0