ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ከሰላ ናጻ ዞባ ንምቛም ይስርሓሉ’ሎ

ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ከሰላ ናጻ ዞባ ንምቛም ይስርሓሉ’ሎ

Radio Erena: 19 August, 2014

Kassala

ካብ ዶብ ኤርትራን 11 ኪሎሜተር ናብ ሱዳን ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከሰላ ናጻ ዞባ ንምቛም እምነ መሰረት ተነቢሩ።

ነቲ እምነ መሰረት ዘንበረ፣ ሚኒስተር ወፍሪ ሱዳን ዶክተር ሙስጠፋ ዑስማን እስማዒል ንኣገልግሎት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ምቛም እቲ ናጻ ዞባ፣ ኣብቲ ከባቢ ናይ ንግድ ንጥፈታት ብምዕባይ ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥር ኣገንዚቡ።

እቲ ሚኒስተር ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ከባቢ ተጀሚሩ ንዘሎ ዝተፈላለያ ናይ ልምዓት መደባት’ውን ተዓዚቡ።

ካብ ዞባ ከሰላ ዝተበገሰ መስመራት ጽርግያን ኤሌክትሪሲቲን ናብ ተሰነይ ንምብጻሕ ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ከምዘሎ’ውን ይግለጽ’ዩ።

 

ዞባ ከሰላ እቲ ካብ ምዕባለ ዝተነጸለ ክፋል ሱዳን’ዩ።

ተወለድቲ እቲ ዞባ ዝኾኑ ቤጃን ራሻይዳን፣ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ዞባ እኹል ቆላሕታ ኣይገበረሉን ብዝብል ንመስመር ከሰላ-ካርቱምን ብምዕጻውን ካልእ ተቓውሞታትን ከካይዱ ከምዝቐነ’ዩ ዝፍለጥ’ዩ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0