ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ከባቢ ሓሬና ዘተባብዕ ውጽኢት ረኺቡ

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ከባቢ ሓሬና ዘተባብዕ ውጽኢት ረኺቡ

Radio Erena: 20 August, 2014

Nev Hare

ኣብ ቢሻ ዕደና ወርቂ ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ኣብ ከባቢ ሓሬና ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኩዕታን ዳህሳስን ዘተባብዕ ውጺኢት ረኺቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሓሬና ካብ ቢሻ 10 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፣ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ድማ፣ ናይ ቢሻ ፕሮጀክቱ ብምስፋሕ’ያ ኣቢ ከባቢ ኩዕታ ጀሚሩ ዘሎ።

ኣብቲ ከባቢ፣ ብዝያዳ ነሓሰ ከምዘሎ ዝኣንፈተ ጸብጻብ ኔቭሰን፣ ዚንጎን ቀርቂን’ውን ብኻልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክህሉ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

 

60 ሚእታዊት ፕሮጀክት ዕደና ቢሻ ናይቲ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ክኸውን እንከሎ መንግስቲ ኤርትራ ድማ እቲ ዝተረፈ 40 ሚእታዊት ይውንን።

ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ልዕሊ 16 ኩባንያታት፣ ወቕታዊ ጸብጻባት ንህዝቢ ከምዝዝርግሓ ዝፍለጥ’ዩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0