ሕ.ኣ. ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ገሊጹ

dr zumaሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ኣደ ወንበር’ቲ ሕብረት ዶክተር ንኮሳዛና ዙማ ገሊጻ።
ብዕለት ሓደ መስከረም ዝወጸ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘመልክቶ፣ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ሞት ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት፣ ምምዝባል ህዝባዊን ውልቃዊን ትካላት ንግዲ፣ ምቁራጽ ኣገልግሎታት ቴሌፎን ከምዘስዓበ ድሕሪ ምግላጽ፣ ንስድራቤት ግዳያት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ዶክተር ዙማ ብተወሳኺ ኩሎም ፖለቲካውያን ወገናት ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ካብ ምፍጣር ተቖጢቦም ብዘተን ልዝብን ነባሪ ፍታሕ ከናድዩ ጸዊዓ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክነሱ ክሳብ ሕጂ መግለጺ ከይሃበ ምጽንሑ፣ ብሓያሎ ወገናት ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ንኣብያ ተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓራን ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ከም ምውጻእ ከምዝርእዩዎ ተቓወምቲ ውድባት ይገልጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፣ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ተደፋፊኦም ሕንፍሽፍሽ ክፈጥሩ ንዝፈተኑ፣ መንግስቲ ዘይምሕር ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ኢሉ።
ብፍላይ’ቲ ኣብ ዞባ ኣምሓራ ዝርከባ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ናዕብታት፣ ኣብ ተወላዶ ትግራይ ዕንወት የውርድ ስለዘሎ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ናብ ሱዳን ይሃድሙ ከምዘለዉ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ንከተማታት ዞባ ኣምሓራ ብከቢድ ዝሕሉ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት እንዳሃለና ክከላኸለልና ኣይፈተነን ክብሉ’ዮም ተወላዶ ትግራይ ዝኸሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0