ፖሊስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብመርበባት ሓበሬታ ዝካየዱ ገበናት ንምቁጽጻር ዘኽእሎ ወፍሪ ከካይ’ዩ

kigaliሓይሊ ፖሊስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብመርበባት ሓበሬታ ዝካየዱ ገበናት ንምቁጽጻር ዘኽእሎም ናይ ሓባር ወፍሪ ከካዪዱ ተሰማሚዖም።
መበል 18 ዋዕላ ኣባል ሃገራት ንምቁጽጻር ገበናት ሳይበር፣ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝተኻየደሉ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ፖሊስ 13 ኣባል ሃገራት ከምኡ’ውን ወከልቲ 30 ሃገራት ከምዝተሳተፉ ሺን ሁዋ ካብታ ከተማ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ሓቢሩ።

ሃገራት ኣቋሪጹ ዝካየድ ውዱብ ገበናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንዳሰፈሐ ይመጽእ ከምዘሎ ዝገምገመ እቲ ዋዕላ፣ መትኒ መራኸቢታቱ ንምብታኽ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ክዓቢ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።
ኢንስፐክተር ጀነራል ፖሊስ ሩዋንዳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ነዚ ብውዱብ ዝካየድ ናይ መርበብ ሓበሬታ ገበናት ንምምካት ብኢንተርፖል ዝግበር ሓገዛት ኩሉ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ለበዋ ኣቕሪቡ።
እንተኾነ ዝበዝሑ ብውልቀ ምልካዊ ስርዓት ዘመሓድሩ መንግስታት ብስም ምክትታል ገበናት፣ ናጻ ሓበሬታ ካብ ምምሕልላፍ ክዓግቱን፣ ደሞክራስያዊ መሰላት ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ንምርጋጽን ክጥቀሙሉ ከምዝጸንሑ ሓያሎ ተንተንቲ’ቲ ዞባ የመልክቱ።
ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ኣብቲ ዋዕላ ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ንምክትታል መበባት ዝዓለመ ማእከል፣ ብ1.5 ሚልዮን ዶላር ኣብ ከተማ ኪጋሊ ክምስረት ምዃኑ፣ ዕላምኡ ከኣ ኣብን ካብን ኣባል ሃገራት ዝግበር ገበናት ሳይበር ንምቁጽጻር ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ብ1998 ዝተመስረተ መድረኽ ንምክልኻል ገበናት ሳይበር፣ 13 ሃገራት ማለት ሩዋንዳ፣ ዩጋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ኮሞሮስ፣ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ኬንያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሲሸልስ፣ ሶማልያን ታንዛንያን የጠቓልል።

COMMENTS

WORDPRESS: 0