ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ብሰንኪ ተቓውሞ ህዝቢ ኣብ ትካላት መንግስትን ናይ ወጻኢ ወፍርታትን ከቢድ ዕንወት ይወርድ

Radio Erena: 05 September 2016

Gonder

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ደቡባዊ ጎንደር፣ ከተማ ደብረ ታቦር ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓያሎ እሱራት ከምዝተቐትሉ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ባርዕ ድሕሪ ምኽሳቱ እሱራት ክሃድሙ እኳ እንተፈተኑ፣ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ከቢቦም ዝነበሩ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ጠያይቲ ብምትኳስ ክልተ እሱራት ከምዝቐተሉን ክልተ ከኣ ከምዘቑሰሉን’ውን ንመግለጺ ኣዛዚ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብምጥቃስ እታ ጋዜጣ ኣመልኪታ።

እቲ ብሓሙስ 1 መስከረም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠመ ባርዕ ብሰንኪ ናይ ኤልክትሪክ ገመድ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ ኣዛዚ እቲ ቤት ማእሰርቲ።

ይኹን’ምበር ጠንቒ እቲ ባርዕ ካልእ ክኸውን ከምዝኽእል ሓያሎ ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ግምታቶም ይህቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንክሎ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጎሃሂሩ ብሰንኪ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢን ናዕብን ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስትን ናይ ወጻኢ ወፍርታትን መጥቃዕታት ይካየድ ምህላዉ ይግለጽ።

ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ‘ኤስመራልድ’ ዝተባህለ ኣብ ሕርሻ ዕምባባ ዝነጥፍ ናይ ሆላንድ ትካል ምሉእ ብምሉእ ክዓኑ እንከሎ፣ ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ 10 ዝኸውን ናይ ዕንባባ ሕርሻታት’ውን ጉድኣት ከምዝበጽሖ ዘመልክት ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር።

ኮንዶ ፋርም ዝተባህለ ሕርሻ ዕምባባ ሓደ ካብቲ ዕንወት ዝወረዶ ናይ ወጻኢ ወፍርታት ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ትካል ዝወረዶ ዕንወት 10 ሚልዮን ኤውሮ ተገምጊሙ ኣሎ።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0