ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ንሰለስተ ዓበይቲ ጋዜጣታት እታ ሃገር ከይሕተማ ኣጊዶም

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ንሰለስተ ዓበይቲ ጋዜጣታት እታ ሃገር ከይሕተማ ኣጊዶም

Radio Erena: 03 September 2018

sudanese papersሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ንሰለስተ ዓበይቲ ጋዜጣታት እታ ሃገር ንዓርቢ 31 ነሓሰ ከይሕተማ ከምዝኣገዱ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ ብዘይካ እተን ጋዜጣታት፣ ኣብ ኡምዱርማን ቲቪ ንዝቐርብ ሓደ መደብ እውን ፈነውኡ ከምዝእገድ ምግባሮም ተገሊጹ።

 

ኣዳለውቲ ጋዜጣ ኣል ጀሪዳ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓበሬታ፣ ንምእጋድ እቲ ሕታም ኣመልኪቱ ካብ መንግስቲ ሱዳን ዝተዋህቦም ዝኾነ መግለጺ ብዘይምህላዉ፣ ከም ምልክት ተቓውሞ፣ ንቀዳምን ሰንበትን እውን እታ ጋዜጣ ሕትመታ ደው ከምዘበለት ገሊጾም።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ብፍላይ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ይኹን ፖሊሲታቱ ዝነቅፍ ሕትመት ዘአንግዳ ማዕከናት ዜና ክእግዱ እዚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።

ሓላፊ ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ሳላሕ ጎሽ፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ኣዳለውቲ ጋዜጣታት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ምንቃፍ ቀይሕ መስመር ምስጋር ማለት ምዃኑ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0