ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ዜጋታት ተዘኪራ

ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ዜጋታት ተዘኪራ

Radio Erena: 02 September 2018

awateባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ዜጋታት ተዘኪራ ውዒላ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ሓያሎ ደምበታት ተመቓቒሎም ኣብ ዝርከቡሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን እትዝከር ዘላ ባሕቲ መስከረም፣ ህዝቢ ኤርትራ እምቢ ንመግዛእቲ ብምባል ብረታዊ ቃልሱ ዝጀመረሉ እተዘኻኽር ክትከውን እንከላ፣ ብተመሳሳሊ ከኣ ሓርነቱን ደሞክራስያዊ መሰሉን ንምርግጋጽ፣ ቃሉ ዘሐድሰላ መዓልቲ ምዃና ሓያሎ ፖለቲከኛታት ኤርትራ ይገልጹ። 

 

 

 

ብፍላይ’ቶም ብድሮ ባሕቲ መስከረም፣ ኣብ ከተማ ጀኔቫ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፣ መበል 57 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት፣ ህዝብና እታ ዘይክፈል ዝኸፈለላ መሬቱ እውን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ትኣቱ ብምህላዋ ከምዘጉሃዮም ገለ ተሳተፍቲ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ገሊጾም።

ከምዝፍለጥ ውሑዳት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ጥራይ ዝፈልጡዎ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ንምቅዋም፣ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል፣ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑን ካልእን ጠለባት ብምቕራብ ብዕለት 31 ነሓሰ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብረት ኣልዒሉ ኣንጻር ገዛእቲ ሓይልታት ቃልሲ ካብ ዝጀመረላ ባሕቲ መስከረም 1961 ኣትሒዙ፣ መሬቱ ሓራ ንምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምሉእ መሰሉን ክብሩን እተረጋግጽ ሃገር ንምህናጽ ዘሕለፎ መከራ፣ ገና ተሪፉዎ ንዘሎ ሕቶ መሰልን ደሞክራስን ንምርግጋጽ ሓድነቱ ከደልድል እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ሰልፈኛታት ብተወሳኺ ጸዊዖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0