ህይወት ስደተኛታት ንምድሓን፣ ብስምጢር ዝገበርክዎ ስራሕ የለን ይብሉ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ

ህይወት ስደተኛታት ንምድሓን፣ ብስምጢር ዝገበርክዎ ስራሕ የለን ይብሉ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ

Radio Erena: 18 August 2017

aba mussie

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተሓባቢርኩም ተባሂሎም ብፖሊስ ኢጣልያ መርመራ ዝካየደሎም ዘሎ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ህይወት ስደተኛታት ንምድሓን ኣብ ዝገበርዎ ናይ ሓያሎ ዓመታት ጻዕሪ፣ ብምስጢር ዝሰርሕዎ ስራሕ ከምዘየለ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድዎ ቃል መጠይቕ ገሊጾም።

ኣባ ሙሴ ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ ቃል፣ “ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ካብ ዘንጸላለዎም ስደተኛታት ናይ ርድኡና መልእኽቲ እንተተቐቢለ፣ ነቲ ሓበሬታ ብኡ ንብኡ’የ ናብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ከም ሓካይም ብዘይዶብ ዝኣመሰሉ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ዘመሓላልፎ፣” ክብሉ ጠቒሶም።

 

ድሕሪ’ቲ ኣብ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ህወይት 360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ናይ ባሕሪ ሓደጋ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ከም ሓካይም ብዘይዶ ዝኣመሰሉ ዘይመንግስታውያን ትካላትን፣ ህወይት ስደተኛታት ንምድሓን መራኽበን ናብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዘዋፈራ ዝፍለጥ’ዩ።

ይኹን’ምበር እቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝብገሱ ስደተኛታት፣ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብ ዘንጸላልዎም ናብ ኣባ ሙሴ ብምድዋል ሓገዝ ክልኣኸሎም’ዮም ዝሓቱ።

ኣባ ሙሴ ድማ ናብዘን መራኽበን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘዋፈራ መንግስቲ ኢጣልያን ካልኦት ኣካላትን ነቲ መልእኽቲ የመሓላልፍ።

እዚ ኮይኑ እቲ ሓቂ፣ ኣኽባር ሕጊ ትራፓኒ ገና ኣባ ሙሴ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ይተሓባበሩ’ዮም ብዝብል ክሲ መርመራ ክካየደሎም’ዩ ወሲኑ።

በዞም ኤርትራዊ ገባር ሰናይ ህይወቶም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓነ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዜጋታትን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን፣ ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ተመስሪቱ ዘሎ ክሲን ብፖሊስ ዝካየድ ዘሎ ምጽራይን ዝቃወምን ዝኹንን መልእኽታት ብመንገዲ ፌስቡክ ካልእ ማሕበራዊ ሜድያታትን ይዝርግሑ ኣለዉ።

ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ይኹን ኣብ ካልእ ከበድቲ ጸገማት ንዝወደቑ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ግኑን ስም ዘለዎ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ህይወት ኣማኢት ስደተኛታት ንምድሓን ብዝገበርዎ ጻዕሪ ኣብ 2015 ንሽልማት ኖቤል ተሓጽዩም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝህደን ዕሉል ገበነኛ’ዩ ብዝብል፣ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ንዝተባህለ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ካርቱም ብጌጋ ኣምጺኡ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣሲርዎ ከምዘሎን፣ ነዚ ዘጋጠሞ ፍሹል ስርሒት ንምኽዋል ድማ ካልእ ክስታት ሃሰው ይብል ምህላዉን ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0