ነፈርቲ ደ.ኣፍሪቃ ኣብ ዚምባብወ ካብ ኣገልግሎት ደው ኢለን

ነፈርቲ ደ.ኣፍሪቃ ኣብ ዚምባብወ ካብ ኣገልግሎት ደው ኢለን

Radio Erena: 20 August 2017

 sa_planesብዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዝፈጠረቶ ውልቃዊ ባእሲ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ከይኣትዋ ተሰጊኡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ግሬይስ ሙጋቤ ንውልቃዊ ጉዳይ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምጋሻ ምስ ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሞዴል ብምስሕሓባ ድሕሪ ዝተፈጥረ ዕግርግር፣ እታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሞዴል ክሲ ስለዝመስረተት፣ ግሬይስ ሙጋቤ ካብታ ሃገር ከይትወጽእ ምኽልካላ ኤስ.ኤ.ቢ.ሲ ቲቪ ገሊጹ።

በዚ ዝተቖጠዐ ምምሕዳር ሙጋቤ፣ ኣብ ሃገሩ ንዝነበራ ዋንነተን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾና ነፈርቲ ከይበራ ዝእግድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ወሃብ ቃል መገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መንግስቲ ዚምባብወ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሓቲቱ ዘይፈልጥ ቅጥዕታት ክምላእ ስለዝሓተተ እተን ነፈርቲ ካብ ምብራር ተኣጊደን ከምዘለዋ ሓቢሩ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ግብረምላሽ ቅድሚ ምሃቡ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምስ መንግስቲ ዚምባብወ ተዘራሪቡ ፍታሕ ክረኽበሉ ከምዝደሊ እቲ ወሃብ ቃል ብተወሳኺ ሓቢሩ።grace

ግሬይስ ሙጋቤ ነቲ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ ንምክልኻል፣ ናይ ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ሓቲታ ኣላ። እንተኾነ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተወትሉ ምኽንያት ውልቃዊ ደኣምበር ወግዓዊ ናይ መንግስቲ ልእኽቲ ብዘይምዃና ውሕስነት ክወሃባ ኣይግባእን ብምባል ፖሊስ’ታ ሃገር ንሕቶኣ ነጺጉዎ’ዩ።

በዓልቲ ቤት ናይቲ ውልቀመላኽነቱ ግኑን ስም ዘለዎ ፕረዚደንት ሙጋቤ፣ ብምሕሻሽ ገንዘብ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ስልጣን በዓል ቤታ ተጠቒማ ሓያሎ ውልቃዊ ጉዳያታ ከምእተሳልጥ እያ ትኽሰስ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0