ኣመሪካ፣ መሰል ሃይማኖታት ናይ ዝግሃሰለን ሃገራት ጸብጻብ ዘርጊሓ

ኣመሪካ፣ መሰል ሃይማኖታት ናይ ዝግሃሰለን ሃገራት ጸብጻብ ዘርጊሓ

Radio Erena: 18 August 2017

tellirson

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ መሰል ሃይማኖት ብኸቢድ ናይ ዝግሃሰለን ሃገራት ጸብጻብ ዘርጊሑ።

ጸሓፊ እቲ ክፍሊ ሬክስ ቲለርስን ድሕሪ ምዝርጋሕ እቲ ጸብጻብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሱዳን፣ ባሕሬይን፣ ቱርኪ፣ ፓኪስታንን ቻይናን ዝርከብአን ሃገራት እተን ቀንዲ ብምግሃስ መሰል ሃይማኖታት ዝውቀሳ ሃገራት ምዃነን ኣስሚርሉ።

ካብ ኩሉ ዝበኣሰን መሰል ካልኦት እምነታት ዘይጻወርን ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ’ዩ ዝበለ ቲለርስን፣ ነቲ ኣብ ሊብያ፣ ሶርያን ገለ ከባቢታት ዒራቕን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ካልኦት እምነታት ዘስካሕክሕ በደል ዝፍጽም ዘሎ ጉጅለ ኮኒኑ።

 

ኤርትራ፣ ኣብዚ ብሰሉስ 15 ነሓሰ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ናይተን መሰል ሃይማኖታት ዝግሃሰለን ሃገራት፣ ምስተን ቲለርሰን ብስም ዝረቑሐን ሸውዓተ ሃገራት ኣይትጠቐስ ደኣ’ምበር፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት እዚ ኣብ ዝተዘርግሐ ተመሳሳሊ ጸብጻብ፣ ነቲ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝርከብዎም መራሕትን ኣመንትን ዝተፈላለየ እምነታት ንሓያሎ ዓመታት ኣሲሩ ደሃዮም ኣጥፊኡ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ፍሉይ ኣተኩሮ ምስ ዘድልዮም መንግስታት ከምዘቐመጠቶ ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣማኢት ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ዝኾነት ፍቓዱ ደበሳይ ዝተባህለት ኣማኒት ጴንጠ ቆስጣል ክርስትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞተት ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0