WHO ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዘገልግል መሳርሒታት ተክኖሎጂ ንሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብሓገዝ ኣበርኪቱ

Radio Erena: 08 August 2021

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና WHO ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዘገልግል መሳርሒታት ተክኖሎጂ ንሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።
WHO ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ኮምፕዩተራትን ካልእ መሳርሒታት ተክኖሎጂን ዘጠቓለለ ሓገዝ ንኤርትራ ዘበርክት ዘሎ፣ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ብፍላይ ኣብ ዞባታት ዝርከባ ትካላት ጥዕና፣ ንመዓልታዊ ስራሓተን ዘቃልል ክኸውን’ዩ ዝብል እምንቶ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መደብ ኮቫክስ ንምጥርናፍ እምቢታ ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ካብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነዚ ሓገዝ ዝቕበል ዘሎ።
እቲ ልዕሊ 60 ኮምፕዩተራት ዘጠቓለለ ሓገዝ ብሓፈሻ ናይ 1.4 ሚልዮን ናቕፋ ዋጋ ከምዘለዎ፣ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮቪድ19 ኣስፋሕፊሑሉ ዘሎ ኩነታት፣ ትካላት ጥዕና ብዝተኻእለ መጠን ተክኖሎጂካዊ መሳርሒታት ክረኽባ ኣገዳሲ ከምዝኾነ’ዩ እቲ ትካል ዝገልጽ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0