ቱርኪ፣ ‘ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ሞይቱ’ እናበለ ንዘጋውሐ ኡጋንዳዊ ነጣፊ ማሕበራዊ ሜድያ፣ ከምዘይተረክቦ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 09 August 2021

መንግስቲ ቱርኪ፣ ንኡጋንዳ ን38 ዓመታት ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ሞይቱ እናበለ ንዘጋውሐ፣ ፍረድ ሉምቡየ ንዝተባህለ ኡጋንዳዊ ተቓዋሚ መንግስቲ፣ ናብ ሃገሩ ከምዘይሰጎ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዘፍለጠ፣ ኣብ ኡጋንዳ ብዝርከብ ኣምባሳደሩ ኣቢሉ’ዩ።

ኣንጻር ‘ቲ ብፕረዚደንት ሙሴቬኒ ዝምራሕ መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ብማሕበራዊ ሜድያታት ተሩር ነቐፌታት ብምውርራ ዝፍለጥ ፍረድ ሉምብየ፣ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ኣብ ቱርኪ፣ ከተማ ኣንካራ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኡጋንዳ ተታሒዙ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ቱርኪ፣ ነቲ ኡጋንዳዊ፣ ግዳይ ናይ ሕለፍ ማእሰርትን ናይ ሞት መቕጻዕትን ንክኸውን ናብ ዓዱ ንኽምለስ ምስ መንግስቲ ኡጋንዳ ከምዘይተሓባበር ኣረጋጊጹ።

ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኡጋንዳ፣ ካሪም ኣልፕ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ቱርኪ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኡጋንዳ ትኹን ካልእ ሃገር ክትኣቱ ድሌት ከምዘይብላ እኳ እንተጠቐሰ፣ ንፖለቲካዊ ነጣፊ ፍረድ ሉምቡየ ምስጓግ ግና ኣንጻር መትከላት ኣህጉራዊ ሰበኣዊ መሰላት ስለዝኾነ ከተተግብሮ ፍቓደኛ ከምዘይኮነት ኣስሚርሉ።

ኣብ ኡጋንዳ ወፍርታታ ከተዕቢ እትደሊ ቱርኪ፣ ብሰንኪ እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣንጻር ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ተሪር ነቐፌታታት ብምውሓዝ ዝፍለጥ ኡጋንዳዊ፣ ምስታ ሃገር ዘለዋ ዲፕሎማሲ ክሽሕክር ከምዝኽእል ተዓዘብቲ የገንዝቡ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ ቱርኪ፣ ነዚ ኡጋንዳዊ ነጣፊ፣ ብምስጢር ኣሕሊፋ ክትህቦ ከምእትኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0