UNICEF፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ንምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ዝሕግዝ ናውቲ ለጊሱ

Radio Erena: 30 March 2020

ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ (UNICEF)፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ንምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ዝሕግዝ ዝተፈላለየ ናዊቲ ከምዝልኣኸ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ መከላኸል ኮረና ቫይረስ ዝኾኑ ናዊቲ ሕክምና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዕዳጋታት ንምርካቦም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ እኳ እንተሎ፣ ኣስታት 26 ሚልዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣንጫን ማስክ፣ 4.8 ሚልዮን ንምስትንፋስ ዝሕግዝ መሳርሒ፣ ሚልዮናት ጋውናት፣ መሸፈኒ ገጽ ጉግልን 29 ሽሕ ዘመናዊ ናይ ኢንፍራሬድ መዐቀኒ ሙቐት ዝርከቦ ዝተፈላለይ ናውቲ ሕክምና ከውሕስ ምኽኣሉ ኣፍሊጡ።

UNICEF ለበዳ ኮረና ቫይረስ ካብ ዝተርእየሉ እዋን ኣትሒዙ ናብ ቻይና፣ ኢራን፣ ፓኪስታንን ካልኦት ሃገራትን ተመሳሳሊ ሓገዛት ከምዝልኣኸ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ናብ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ናዊቲ ሕክምና ይልኣኽ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ኮሮና ቫይረስ፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብሓያል ናህሪ ኣብ ዝላብዓሉ ዘሎ እዋን፣ ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣንጫን ማስክ ንምስትንፋስ ዝሕግን መሳርሕን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዝሕግዝ ናዊቲ ሕክምና ብቀሊሉ ክርከበሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ይርከብ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0