ኣስመራ፣ ብሰንኪ ስግኣት ኮረና ቫይረስ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ደው ምባሉ፣ ሰራሕተኛታት ሕክምና ንጥፈታቶም ይሰናኸል ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 30 March 2020

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ፣ ከም ታክሲን ኣውቶቡሳትን ዝኣመሰለ ናይ ብሒቲ ይኹን ናይ መንግስቲ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ደው ክብል ከምዝወሰነ ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ሓካይም፣ ነርሳት፣ ተሓጋጋዝቲ ነርሳትን ካልኦትን ዝርከብዎም ሰብ ሞያ ጥዕና ነናብ ዝሰርሕሉ ሆስፒታላን፣ ትካላትን ጥዕናን ዝመላለሰሉ ኣማራጺ መጓዓዝያ ብዘይምቕራቡ ካልእ ሻቕሎት’ዩ ፈጢሩ።

ሓያሎ ካብዞም ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ብሰንኪ መጓዓዝያ፣ ዝሓለፈ ሳልስቲ ናብ ዝሰርሕሉ ማእከላት ክበጽሕሉ ብዘይምኽኣሎም፣ ኣብቲ ማእከላት ጥዕና ኣብ ርእሲ ዝጸንሐ ናይ ህዝቢ ምጭንናቕ ተወሳኺ ጻዕቒ’ዩ ምፍጣሩ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ኣመልኪቶም።

ኣብዚ ንህዝቢ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ናይ ጥዕና ብድሆ፣ መንግስቲ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ንጥፈታቶም ብድሕነትን ምቹእነትን ዘሳልጥሉ ኩነታት ክፈጥር’ውን ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ጻውዒት የቕርቡ ምህላዎም ኣቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    emo n skisum aleku indo tetehagagezu megaaziya dea zeytikribulen haki intehalikum