UNHCR ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ዘግዕዘሎ መደባት ሓንጺጹ

UNHCR ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ዘግዕዘሎ መደባት ሓንጺጹ

Radio Erena: 14 September 2018

ab libya sdetenatatተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ውሑስ ቦታ ዘግዕዘሎ መደባት ሓንጺጹ።

እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ካብ መዳጎኒ መዓስከራት ኣምሊጦም ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፣ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ ግዚያዊ መተኣኻኸቢ ቦታ ንኽመጹ ጸዊዑ።

 

እዚ ግዚያዊ ናይ መተኣኻኸቢ ቦታ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ሽሕ ሰባት ጥራይ ከአንግድ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፣ ንኣዴታት፣ ህጻናት፣ ንዝተወጽዑን ካልእ ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልዮምን ሰባት ቀዳምነት ብምሃብ ናብ ውሑስ ቦታ ከስግሮም መደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ሊብያ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሰውራዊ ብርጌድን፣ ሻብዓይ ብርጌድን ዝተባህሉ ወገናት ዝጀመረ ውግእ፣ ኣብ ከቢድ ናይ ህይወት ሓደጋ ኣውዲቑዎም ብምህላዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ሓገዝ ጻውዒት ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።

እዞም ናይ ርድኡና ጻውዒት ዘቕርቡ ዘለዉ ዜጋታት፣ ግዳያት ዓመጽን መግረፍቲን ኮይኖም ምጽንሖም ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ካብቶም ኣብ ሊብያ ኮይኖም ኣብ ምስግጋርን ምጭዋይን ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ገበነኛታት፣ ምስ ስደተኛታት ተመሳሲሎም ክወጹ ይፍትኑ ስለዘለዉ፣ ብዛዕባ’ዞም ገበነኛታት ዝፈልጥ ኩሉ ክተሓባበር፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ተማሕጺኑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0