‘ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ዝለዓለሉ እዋን ገና ኣይኣኸለን’፣ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ

‘ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ዝለዓለሉ እዋን ገና ኣይኣኸለን’፣ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ

Radio Erena: 14 September 2018

tibor nagኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ዝለዓለሉ እዋን ገና ኣይኣኸለን፣ ክብል ኣመሪካዊ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ገሊጹ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ምኽትል ጸሓፊ ደስክ ኣፍሪቃ ቲቦር ናይጊ ንኮንግረስ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብመደብ ዝተገብረ ምምሕያሽ ዝምድና ጽቡቕ ኣንፈት እኳ እንተለዎ፣ ዘይተመለሱ ሕቶታት ስለዘለዉ ግና፣ እቲ ባይቶ ጸጥታ ዘንበሮ ማዕቀብ ክጸንሕ ኣለዎ ኢሉ።

 

ገለ ካብቲ ኣመሪካ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቕረበቶ ሕቶታት፣ ምእሳር ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ዝነበሩ፣ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ገዚኣቶ ዝተባህለት ኣጽዋር፣ ዝብል ይርከቦ።

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን እሱራትን ካልእ ጸቢብ ስርዓተ ምሕደራን መንግስቲ ኤርትራ ገና ዝኾነ ለውጢ ኣየርኣየን ክብል’ዩ እቲ ዲፕሎማሰኛ ዝገልጽ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ጎረባብትን ጀሚሩዎ ዘሎ ዕርቀ ሰላም ዝነኣድ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ሰናይ ምንዮትን ቃላትን ዝሓልፍ ግብራዊ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ክሳብ ዘየተኣታተወ፣ እቲ ማዕቀብ ክለዓል ከምዘይብሉ እዩ ጠቒሱ።

ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከይገብር ንዶባዊ ግጭት ከም ምኽንያት ከቕርብ ጸኒሑ’ዩ፣ ሕጂ ግና ካልእ ዘመኻንየሉ ጉዳይ የብሉን ክብል’ዩ ቲቦር ናይጊ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ ዘቕርብ።

ከምዝዝከር ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣብ ዘንበሮ ማዕቀብ፣ ኣጽዋር ምዕዳግ፣ ኣብ ፍሉያት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ናይ ምንቅስቓስን፣ ንብረት ናይ ምድስካልን ውሳኔታት ይርከቦ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0