Category: News

ከረን፣ ገለ ክፋል ናይቲ 125 ዓመት ዝገበረ ጥንታዊ መስጊድ ብምፍራሱ ክልተ ሰባት ሞይቶም
ኣብ ከተማ ከረን፣ ተደኵኑ ዝርከብ ጥንታዊ መስጊድ ከረን ኣል ዓቲቕ፣ ሓደ ክፋሉ፣ "ጉባ ኣል መስጂድ"፣ ብሮቡዕ 10 ሚያዝያ ብምፍራሱ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ትሽዓተ ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
እቲ ታሪኻዊ [...]

ሚኒስተር ምክልኻል ትመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢጣልያ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይበጽሕ
ብሚኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ፣ ኤሊዛቤታ ቴራንታ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።
ነቲ ልኡኽ ዝመርሐት ሚኒስተር ኤሊዛቤታ፣ ምስ ሚኒስተር ምክ [...]

ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሺር ንእምላይ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዝልዓለ ናህሩ ይቕጽል
ህዝቢ ሱዳን፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት በሺር ንምእላይ ዘካይዶ ዘሎ ተቓውሞ ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽሎ ኣሎ።
ነዚ ኣብ መላእ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ታሕተዎት መኮንናት ዝርከብዎም ኣባላት ሰራዊት ብብዝሒ [...]

ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ መሰል ህዝቢ ሲዳማ፣ ደቂንስትዮ ጥራይ ዝተሳተፍኦ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዋሳ፣ መሰል ክልል ህዝቢ ሲዳማ ክሕሎ ዝጽውዕ፣ ደቂንስትዮ ጥራይ ዝተሳተፍኦ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቲ ኣሽሓት ኣዴታትን መንእሰያት ደቂንስትዮን ጥራይ ዝተሳተፍኦ ሰለማዊ [...]

“ፕረዚደንት ጂቡቲ ካብ መዓስ’ዩ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ?” ሚኒስተር ዜና ኤርትራ
"ፕረዚደንት ጅቡቲ ካብ መዓስ'ዩ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ?” ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ብመንገዲ ትዊተር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ሚኒስተር ነዚ መልእኽቲ ብሰሉስ 9 ሚያዝያ ዘመሓላለፈ፣ ፕረዚደንት ጂቡ [...]

ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ፕረዚደንት ጅቡቲ ገሊጹ
ኢትዮጵያ ብሓገዝ ፈረንሳ ከተቖሞ መዲባ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ; መደበሩ ኣብ ባጽዕ ከምዝኸውን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ጅቡቲ ነዚ ዝገለጸ፣ ምስ ሓንቲ ካብ ህቡባት መጽሔታት ፈረንሳ ዝኾነት፣ ዠን ኣፍሪክ፣ ቁ [...]

“ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ሰላም፣ ምሉእ ኣይኮነን፣” ዶ/ር ደብረጽዮን
ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመርኦ ርክብ ሰላም፣ እወታዊ እኳ እንተኾነ፣ ግና ምሉእ ኣይኮነን ክብል ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ገሊጹ።
ንሱ ምስ መደበር ሬድዮን ቴሌቪዥንን ደቡብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ [...]

ኦነግ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከብ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ዝነበሮ ርክብ በቲኹ
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ምስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝነበሮም ርክብ ከምዝበተኸ ኣፍሊጡ።
እቲ ግንባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ [...]

ቱርኪ፣ ቀጠርን ሱዳንን ብኤርትራ ንዝቐረበ ወቐሳ ነጺገን
ቱርኪ፣ ቀጠርን ሱዳንን ብኤርትራ ንዝቐረበ ወቐሳ ነጺገን።
ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብኤርትራ ዝቀረበ ወቐሳ ዝተሰምዖ ቅሬታ ብምግላጽ፣ ካብ ግጉይ ሓበሬታ ዝነቐለ'ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ጠቒሱ።
ቱርኪ [...]

ንጸጥታን ሃብትን ባሕሪ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ዘኽእል ሓይሊ ዕማም ቆይሙ
ንጸጥታን ሃብትን ባሕሪ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ዘኽእል ሓባራዊ ስምምዕ ንምፍጣር ዘኽእል ሓይሊ ዕማም ቆይሙ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ብኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝቖመ ኮይኑ፣ ቀንዲ ዕላምኡ፣ [...]