ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ መሰል ህዝቢ ሲዳማ፣ ደቂንስትዮ ጥራይ ዝተሳተፍኦ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ መሰል ህዝቢ ሲዳማ፣ ደቂንስትዮ ጥራይ ዝተሳተፍኦ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዋሳ፣ መሰል ክልል ህዝቢ ሲዳማ ክሕሎ ዝጽውዕ፣ ደቂንስትዮ ጥራይ ዝተሳተፍኦ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ኣሽሓት ኣዴታትን መንእሰያት ደቂንስትዮን ጥራይ ዝተሳተፍኦ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መሰል ህዝቢ ሲዳማን ክልላቱን፣ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ብዘፈቕዶ ስልጣን ክሕሎ ዝጠልብ’ዩ።

ህዝቢ ሲዳማ፣ ምስ ደቡብን ካልኦት ክልላትን እታ ሃገር ብዘለዎ ምስሕሓብ፣ ጉዳዩ ብመሰል ርእሰ ውሳኔ ፣ናይ ገዛ ርእሱ ክልል ክህልዎም ክሓትት ጸኒሑ’ዩ።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻባት፣ ኣምሓዳሪ ክልል ደቡብ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ሕቶ ህዝቢ ሲዳማ ቅልጡፍ ምላሽ ክረክብ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ እቲ ዘዋጽእ ስርዓት፣ ፈደራሊዝም ኮይኑ፣ ብዝተመሓየሸ መልክዕ ክቀርብ ኣተሓሳሲቡ።

ኢትዮጵያ፣ ገጢምዋ ንዘሎ ናይ ብሄርን ክልላትን ግጭታት ንምውጋድ፣ ስርዓት ፈደራሊዝም እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ዶ ኣይኮነን? ኣብ ዝብል፣ ብዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ፖለቲካዊ ዘተ የካይድሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0