ንጸጥታን ሃብትን ባሕሪ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ዘኽእል ሓይሊ ዕማም ቆይሙ

ንጸጥታን ሃብትን ባሕሪ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ዘኽእል ሓይሊ ዕማም ቆይሙ

ንጸጥታን ሃብትን ባሕሪ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ዘኽእል ሓባራዊ ስምምዕ ንምፍጣር ዘኽእል ሓይሊ ዕማም ቆይሙ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ብኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝቖመ ኮይኑ፣ ቀንዲ ዕላምኡ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘሎ ማያዊ ሃብቲ ንምቁጽጻርን፣ ጸጥታ’ቲ ዞባ ንምውሓስን ከምዝኾነ ይግለጽ።

እዚ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ክከታተል ዝቐውም ዘሎ ሓይሊ ዕማም፣ ኬንያ፣ ዩጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ክሳተፋኦ እየን።

ልዕሊ 1000 ኪሎሜተር ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ኣብዚ ሓይሊ ዕማም ክትሳተፍ ንምዃና፣ ዛጊት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። ብኣንጻሩ እታ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ዘይብላ ኢትዮጵያ ቀንዲ ተዋሳኢት’ዚ ንቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ክቆጻጸር ዝቐውም ዘሎ ሓይሊ ዕማም ትኸውን ምህላዋ ሕቶታት ዘልዕል ምዃኑ ፖለቲካውያን ተንተንቲ ይገልጹ።

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ድሕሪ ዘካየደቶ ሚስጢራዊ ስምምዕ፣ ብሓገዝ መንግስቲ ፈረንሳ ሓይሊ ባሕሪ ተቕውም ምህላዋ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0