ኦነግ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከብ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ዝነበሮ ርክብ በቲኹ

ኦነግ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከብ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ዝነበሮ ርክብ በቲኹ

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ምስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝነበሮም ርክብ ከምዝበተኸ ኣፍሊጡ።

እቲ ግንባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ንሰራዊት ኦነግ ክእዝዞ ከምዘይክእልን፣ ድሕሪ ደጊም’ውን ርክብ ከምዘይብሉን፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ’ውን ካብቲ ውድብ ከምዝተፈንጨለን ኣረጋጊጹ።

ምስቲ ሰራዊት ዝነበረ ርክብ ከምዝተቛረጸ ዘረጋገጸ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ግንበር ኣቶ ቶሌራ ኣዳባ፣ “ድሕሪ ሕጂ ኦነግ ናትና ሰራዊት’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።” ከምዝበለ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ምስጢራዊ ውዕላት፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኣስታት 1500 ዕጡቓት ኦነግ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተፋነው ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣብ ኣስመራ ተበጺሑ ዝተባህለ ስምምዓት፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ብዘይምኽእሉ፣ እቲ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝጸንሐ ሓይሊ፣ ዕጥቁ ከይፈትሐ ኣይፈትሐን።

ንኦነግ፣ ብሓይሊ ዕጥቁ ከፍትሕ ዘይክኣለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብመንጎኝነት ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ድሕሪ ዝተኻየደ ዳግማይ ስምምዕ፣ ንኣስታት 800 ዝኾነ ኣባላት እቲ ግንባር ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብረቶም ከምዘውረዱ ይግለጽ።

እንተኾነ ሕጂ’ውን እቲ መንግስቲ፣ ውዕላቱ ኣየኽበረን ብዝብል፣ ዝተረፉ ዕጡቓት ኦነግ፣ ምስቶም ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ርክባቱ ብምብታኽ፣ ዕጥቃዊ ቃልሱ ክቕጽል ወሲኑ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ካብ ኣስመራ ድሕሪ ምምላሱ፣ ሓላጺ ጸጥታ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ዝሸሞ ብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መንዝነቱ’ዩ።

ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ወትሃደራት ኢትዮጵያ መሪሑ ናብ ኤርትራ ዝሰለመ ጀነራል ከማል ገልቹ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ 13 ዓመታት፣ ሓደ ክፋል ዕጡቕ ኦሮሞ ብምምራሕ፣ ኣንጻረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቃለጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ካብ ኣስመራ ድሕሪ ምምላሱ፣ ሓላፍነት ተረኪቡ ዝጸንሐ እቲ ጀነራል፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ምስጓጉ፣ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፖለቲካዊ መኽሰብ ተጠቒሙለይ” ዝብል ስምዒታት ኣሕዲሩ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይጠቕሱ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

COMMENTS

WORDPRESS: 0