“ፕረዚደንት ጂቡቲ ካብ መዓስ’ዩ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ?” ሚኒስተር ዜና ኤርትራ

“ፕረዚደንት ጂቡቲ ካብ መዓስ’ዩ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ?” ሚኒስተር ዜና ኤርትራ

“ፕረዚደንት ጅቡቲ ካብ መዓስ’ዩ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ?” ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ብመንገዲ ትዊተር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ መልእኽቲ ብሰሉስ 9 ሚያዝያ ዘመሓላለፈ፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ ምስ ናይዚ ሰሙን’ዚ ሕታም መጽሔት ዠን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ቃል መጠይቕ፣ “ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ’ዩ ክድኮን “ምባሉ ብሬድዮ ኤረና ድሕሪ ምቅልሑ’ዩ።

ሚኒስተር የማነ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፣ “እቲ ቃለ መጠይቕ ኣይርኣኽዎን። ግን ካብ መዓስ’ዩ ፕረዚደንት ጂቡቲ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ?” ድሕሪ ምባል፣ “ብዝኾነ እቲ ዝተባህለ ሓሶት’ዩ” ክብል ደምዲሙ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ዝገሾ ሃገራት ብዛዕባ ኤርትራን ወደባታን ወኪሉ ክዝትን መግለጺ ክህብ እንከሎ፣ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ካብ መዓስ’ዩ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ” ዝብል መብርሂ ከምዘይሃበ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንዜጋታት ኤርትራ ብዛዕባ መጻኢ ዕድላት ሃገሮም ብዝምልከት ካብ ዝኾነ ሓበሬታ ገሊሉ፣ ምስ ሕቡራት ኢማራት፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ምስጢራዊ ውዕላት ኣብ ዝኽትመሉ እዋን፣ እቲ ሓበሬታ፣ በብእዋኑ ብካልኦት መንግስታትን ዲፕሎማሰኛታትን ክቃላዕ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ዘካይዶ ዘሎ ሚስጢራዊ ውዕላት፣ ሚኒስተር ዜና ዝርከቦም ላዕለዎት ስበ ስልጣናቱን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም’ውን ብሰፊሑ ይዝረብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣዛዚ ናይቲ ዝቐውም ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘ ብርጋደር ጀነራል ክንዱ ገዙ ተናኝ፣ ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ቀላያት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን፣ ኣድሚራል ጀምስ ፎጎ ተመያይጡ።

ኣብቲ ብ2 ሚያዝይ ዝተኻየደ ምይይጥ፣ ኢትዮጵያ ኣብ እትስምስርቶ ዘላ ሓድሽ ሓይሊ ባሕርን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝህልዎ ኣበርክቶን ዘተኮረ ምንባሩ ወትሃደራውይን ምንጭታት ኣመልኪቶም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0