Category: ዜና ኤርትራ
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2013 ዝንኣድ ብቕዓት ኣንጸባሪቖም
ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ማለት ዙር ርዋንዳ 2013 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣዝዩ ዝንኣድ ብቕዓት የርእዩ ምህላዎም ማዕከናት ዜና ስፖርት ሓቢረን። ኣብቲ ቅድድም ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ሓ [...]
ጋዜጠኛን ደራስን ደሳለ በረኸት፣ ኣህጉራዊ ሽልማት ፕረስ ፍሪዶም 2013 ተዓዊቱ
ጋዜጠኛን ደራስን ደሳለ በረኸት፣ ኣብ ካናዳ ብዝመደበሩ ትካል ንዝዳሎ ኣህጉራዊ ሽላማት ፕረስ ፍሪደም 2013 ተዓዊቱ። ደሳለ በረኸት፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ስደት ኣብ ዝነበረሉ መርበብ ሓበሬታ ጥሙራት ልብታት ብምድላው ምስ ብጾቱ፣ ሩት ዘካርያ [...]
ኣመሪካ ዜጋታታ ናብ ኤርትራ ከይገሹ ደጊማ ኣጠንቒቓ
ክፍሊ ወጻኢ ዱዳያት እታ ሃገር ትማሊ ደጊሙ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ መገሻ መጠንቐቕታ፣ ናብ ኤርትራ ንምጋሽ ዝወጠኑ ዜጋታት ኣመሪካ መገሽኦም ናብ ካልእ እዋን ከሰጋግሩ ምዒዱ። መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዲፕሎማሰኛታት ከይተረፈ ናይ ምንቕስቓስ [...]
ብኣቶ ይፍታሄ ዲሜጥሮስ ዝተመርሐ ልኡኽ ምምሕዳር ጳጳሳት ኤርትራ፣ ካብ ኣድማሳዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያናት ከምእተሰጕ ተገሊጹ
ብኣማሓዳሪ ናይታ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ቆይማ ዘላ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ከርስትያን ኤርትራ ኣቶ ይፍታሄ ድሜጥሮስ ዝተመርሐ ልኡኽ ምምሕዳር ጳጳሳት ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣብ ቡሳን ደቡብ ኮርያ ዝተጋብአ ዓመታዊ ኣድማሳዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያናት ከይ [...]
መንገዲ ኣየር ኤርትራ ደው ክብል’ዩ
መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ በረራታቱ ደው ከብል ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። እቲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ትማሊ 13 ሕዳር ኣትሒዙ ንሓያሎ ኣባላቱ ካብ ስራሕ ከፋኑ እንከሎ፣ ነቶም ዝተረፉ ድማ ክሳብ 23 ሕ [...]
ነፊሪት ሒዞም ኣብ ስዑዲ ዝዓለቡ ሓደ ሜጀር፣ ሓደ ካፕቴንን ሓደ ተለንትን መኮንናት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት መስርሕ ይካየደሎም ምህላዉ ተገሊጹ
ነፋሪት ሒዞም ትማሊ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ጂዛን መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ዓብደላ ዝዓለቡ ሰለስተ መኮንናት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት መስርሕ ክካየደሎም ምዃኑ ማዕከን ዜና ጂዛን ኒውስ ሓቢሩ። እታ ነፋሪት፣ [...]
Breaking news:- ሰለስተ ሰባት ዝጸዓነት ሓንቲ ነፋሪት ሓይሊ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዑቕባ ከምዝሓተተት ይግለጽ ኣሎ
ሰለስተ ሰባት ዝጸዓነት ሓንቲ ነፋሪት ሓይሊ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዑቕባ ከምዝሓተተት ይግለጽ ኣሎ። መንነት ናይቶም ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ስዑዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰለስተ ሰባት ዛጊት ክንጸር ኣይከኣለን። ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ ዝደለዩ መንነ [...]
ሸይላ ኪታሩት ኣብ ማልታን ቱኒዝያን ተዓቝቦም ምስ ዘለዉ ኤርትራውያን ክትዘራረብ’ያ
ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትርምርምር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት ኣብ ቱኒዝያን ማልታን ተዓቝቦም ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ሸይላ ኪታሩት፣ ድሕሪ’ቲ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰ [...]
“ኣብ ኣስመራ ግፋ ኣየካየድናን” ደምህት
ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ሓይሊ ኢትዮጵያ፣ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ፣ ደምህት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ግፋ ሰራዊትና ኢድ ኣይነበሮን ክብል ክሒድዎ። ሬድዮ ኤረና ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንምጽራይ ም [...]
ስዑዲ ዓረብ ብ5 ሕዳር ኣብ ዝጀመረቶ ጽዑቕ ግፋ፣ ኣሽሓት ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ቀይዲ የእትያ፣ ሻቕሎት ኤርትራውያን ድማ መመሊሱ ሰማይ ይዓርግ
ስዑዲ ዓረብ ዘይሕጋውያን’ዮ ንዝበለቶም ስደተኛታት ንምጥራዝ ትማሊ ኣብ ዝጀመረቶ ግፋ ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ዝርከብዎም ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውወ ተገሊጹ። ኣብቲ ብ5 ሕዳር ዝፈለመ ግፋ፣ ኣብ ጀዳ ጥራይ ኣስ [...]