ጋዜጠኛን ደራስን ደሳለ በረኸት፣ ኣህጉራዊ ሽልማት ፕረስ ፍሪዶም 2013 ተዓዊቱ

ጋዜጠኛን ደራስን ደሳለ በረኸት፣ ኣብ ካናዳ ብዝመደበሩ ትካል ንዝዳሎ ኣህጉራዊ ሽላማት ፕረስ ፍሪደም 2013 ተዓዊቱ።

ደሳለ በረኸት፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ስደት ኣብ ዝነበረሉ መርበብ ሓበሬታ ጥሙራት ልብታት ብምድላው ምስ ብጾቱ፣ ሩት ዘካርያስ ገብረን መብራህቱ ተኽለጽዮንን ብምዃን፣ እዋናውን ሰሓብን ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ክነጥፍ ዝጸንሐ’ዩ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ኖርወይ ኣብ ኮይኑ ዮናይትድ ቮይስስ ሜድያ ሰንተር ወይ ልሳን ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብምድላዉ ሞያዊ ዕማሙ ኣብ ምብርካት ዝርከብ ጋዜጠኛን ደራስን ደሳለ በረኸት፣ ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2001 ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ድሕሪ ምዕጻወን ድማ ኣብ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዘገልገለ’ዩ።

ብዘይካ’ዚውን ኣብ ባህን ቆልዑን ዘተኮረ ብቛንቛታት ትግረን ትግርኛንን ዘዳለዎ መጻሕፍቲ ናብ ኣንበብቲ ዘብቕዐ ምዃኑ ንድሕረ ባይትኡ ዝገልጽ ሰነድ የመልክት።

ራድዮ ኤረና፣ ንጋዜጠኛን ደራስን ደሳለ በረኸት፣ ነዚ ብማሕበረ ሰብ ጋዜጠኛታት ካናዳ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ሽልማት ፕረስ ፍሪዶም 2013 ምብቕዑ እንቛዕ ሓጎሰካ ትብል።
=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0