Breaking news:- ሰለስተ ሰባት ዝጸዓነት ሓንቲ ነፋሪት ሓይሊ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዑቕባ ከምዝሓተተት ይግለጽ ኣሎ

ሰለስተ ሰባት ዝጸዓነት ሓንቲ ነፋሪት ሓይሊ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዑቕባ ከምዝሓተተት ይግለጽ ኣሎ።

 

መንነት ናይቶም ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ስዑዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰለስተ ሰባት ዛጊት ክንጸር ኣይከኣለን።

ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ ዝደለዩ መንነቶም ዘይተነጸረ ሰባት ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ጂዛን ክትዓልብ ከምእተገደደት ግና ንሰበ ስልጣን ሓለዋ ዶባት ስዕዲ ዓረብ ብምጥቃስ፣ ጋልፍ ኒውስ ኣረጋጊጹ።

እታ ነፋሪት፣ ካብ ኤርትራ ዝተበገሰት ምዃና ሰበ ስልጣን ሓለዋ ዶባት ስዑዲ ዓረብ እኳ እንተገለጹ፣ ገሊኦም ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ምዃና’ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።

ሳብቕ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣቕሪብዎ ብዘሎ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ወትሃደራዊት ምዃና ብምጥቓስ እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ድማ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ኣብረቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ነፋሪት ሒዞም ኣብታ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶም፣ ነታ ነፋሪት ንኽመልሱ ካብ ዝተላእኩ ኣብረቲ ድማ ሓንቲ ጓለነስተይቲ ዑቕባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ከምዝተረፈት ኣይርሳዕን።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0