መንገዲ ኣየር ኤርትራ ደው ክብል’ዩ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ በረራታቱ ደው ከብል ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ትማሊ 13 ሕዳር ኣትሒዙ ንሓያሎ ኣባላቱ ካብ ስራሕ ከፋኑ እንከሎ፣ ነቶም ዝተረፉ ድማ ክሳብ 23 ሕዳር ኣብ ዘሎ ዕለታት ከፋንዎም ምዃኑ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

 

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ በረራታት ከየካይድ ክፍሊ ኣቭየሽንን ድሕነትን ኮሚሽን ኤውሮጳ ድሕሪ ምውሳኑ፣ እቲ ናይ ፍራንክፈርት በረታታቱ ደው ከብል እኳ እንተተገደደ ናብ ኢጣልያ ከተማ ሮማ ግና በረራታት ክቕጽሎ’ዩ ጸኒሑ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ኣትሒዙ ናብ ኩሉ ናይ መጓዓዝያ በረራታቱ ደው ከብል ዝወሰነሉ ምኽንያት ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

በረራታቱ ናብ ዱባይ፣ ሱዳንን ሮማን ጥራይ ተሓጺሩ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየረ ኤርትራ፣ ብፓኪስታናዊ ኣካይዲ ስራሕ ክምራሕ ዝጸንሀ ኮይኑ፣ ከቢድ ክሳራታት ኣጋጢምዎ’ዩ ስርሑ ደው ከብል ምዃኑ ዝሕበር ዘሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ካብን ናብን ኤርትራ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዘካይዳ ዘለዋ መንገዲ እየር ግብጽን የመንን ጥራይ ኮይነን፣ እቲ ዋንነቱ ንጹር ዘይኮነ ናስ ኣየር’ውን ናብ ሱዳን ዱባይን ሳሕቲ ናይ መጓዓዝያ በረራታት የካይድ’ዩ።

ካብን ናብን ኤውሮጳን ኣስመራን ውሑስ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐ ሉፍታንዛ ድማ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ’ዩ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብ 2002 ቦይንግ ብዝዓይነታ ዓባይ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣህጉራዊ በረራታቱ ካብ ዝጅመር፣ ኣብ 11 ዓመቱ፣ ካብ ስርሑ ደው ክብል እዚ ንሳልሳይ ግዜኡ’ዩ።

=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0