ኣመሪካ ዜጋታታ ናብ ኤርትራ ከይገሹ ደጊማ ኣጠንቒቓ

ክፍሊ ወጻኢ ዱዳያት እታ ሃገር ትማሊ ደጊሙ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ መገሻ መጠንቐቕታ፣ ናብ ኤርትራ ንምጋሽ ዝወጠኑ ዜጋታት ኣመሪካ መገሽኦም ናብ ካልእ እዋን ከሰጋግሩ ምዒዱ።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዲፕሎማሰኛታት ከይተረፈ ናይ ምንቕስቓስ ገደብ ከምዝገብር ዝጠቐሰ እቲ መጠንቐቕታ፣ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ክንቐሳቐሱ ምስዝደልዩ’ውን ፍቃድ ንምርካብ ቅድሚ 10 መዓልቲ ከመልክቱ ከምዘለዎም’ዩ ዝንገሮም።

በጻሕቲ ሃገር ይኽኑ ካልኦት ወጻእተኛታት ካብ ኣስመራ ወጻኢ ናብ ምጽዋዕን ከረንን ብፍቓድ ክንቐሳቐሱ ዝክእሉ እኳ እንተኾኑ፣ ናብ ካልእ ክፋል ኤርትራ ምንቕስቓስ ግና ኣጸጋሚ ምዃኑ’ዩ ዝሕበር።

መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን ዶ ንወጻእተኛታት ንዜጋጋቱ’ውን ናጻ ናይ ምንቕስቓስ ዕድል ከምዘይፈቕድ ይፍለጥ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0