Category: ዜና ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናት ዘቕርቦ ዘሎ በዳሂ ሕቶትታት ይቕጽል
Radio Erena: 24 March 2019 ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። በዚ መሰረት ትማሊ 23 መጋቢት ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ [...]

ንኤርትራ ዝገለለ፣ ዋዕላ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ኣብ ካይሮ ተኻይዱ
Radio Erena: 21 March 2019 ንኤርትራ ዝገለለ፣ ዋዕላ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘዋስነን ሃገራት ኣብ ካይሮ ተኻይዱ። እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሶማል፣ ግብ [...]

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ቀጠርን ኤርትራን ንዘሎ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ተበግሶ ከምዝወሰደ ተገሊጹ
Radio Erena: 20 March 2019 ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ መንጎ ቀጠርን ኤርትራን ንዘሎ ዘይምቅዳን ንምፍታሕ እማመ ከምዘቕረበ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት [...]

ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ሶማሊላንድ ይበጽሕ
Radio Erena: 18 March 2019 ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ሎሚ ሰኑይ 18 መጋቢት ናብ ዋና ከተማ ናይታ [...]

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘትዩ
Radio Erena: 18 March 2019 ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከተማ ጄኔቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከምዝዘተየ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ባይቶ፣ ኣብ ዝሓ [...]

ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ናይ ብሄር ግጭታት ተፈናቒሎም ዝርከቡ ኣስታት 900 ሽሕ ሰባት፣ ህጹጽ ሓገዝ ይደልዩ
Radio Erena: 18 March 2019 ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ኦሮሞያን ደቡብን ብዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ዝርከቡ ኣስታት 900 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ተገሊጹ [...]

መንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ሱዳን ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ደው ከብል’ዩ፣ ናብ ሞቛድሾ ሓድሽ በረራ ክጅምር’ዩ
Radio Erena: 18 March 2019 መንገዲ ኣየር ኣየር ቀጠር ናብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ዘካይዶ ዝነበረ ስሩዕ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ካብ መወዳእታ ዕለት ናይዚ ወርሒ ኣትሒዙ ደው ከብል ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ሱ [...]

ኤርትራ ናይ 2019 መሪሕነት ካርቱም ፕሮሰስ ተረኪባ
Radio Erena: 17 March 2019 ኤርትራ ናይ 2019 መሪሕነት ካርቱም ፕሮሰስ ተረኪባ። ኮሚሽነር ማሕበራዊ ጉዳያት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣሚራ ኣልፋድል መሓመድ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ዘካየደቶ ወግዓዊ ዑደት እያ ነዚ ሓላፍነት ንመን [...]

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ለውጢ የለን ክትብል ምኽትል ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ገሊጻ
Radio Erena: 17 March 2019 ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ዋላ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ እውን ዝኾነ ምምሕያሽ ኣየርኣየን ክትብል ምኽትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጻ። ኣብ ፈለማ [...]

እስራኤል፣ ኤርትራዊ ስደተኛ ሓደ ሚልዮን ሽክል ሎተሪ ተዓዊቱ
Radio Erena: 15 March 2019 ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ሓደ ሚልዮን ሽክል (ባጤራ እታ ሃገር) ከምዝተዓወተ ሓንቲ መደበር ቴሌቪዥን ካብ ቴልኣቪቭ ገሊጻ። እቲ ስሙ ዘይጠቕሰቶ ኤርትራዊ፣ ኣብቲ ሎተሪ ዝሽየጠሉ [...]