ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ናይ ብሄር ግጭታት ተፈናቒሎም ዝርከቡ ኣስታት 900 ሽሕ ሰባት፣ ህጹጽ ሓገዝ ይደልዩ

ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ናይ ብሄር ግጭታት ተፈናቒሎም ዝርከቡ ኣስታት 900 ሽሕ ሰባት፣ ህጹጽ ሓገዝ ይደልዩ

Radio Erena: 18 March 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ኦሮሞያን ደቡብን ብዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ዝርከቡ ኣስታት 900 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ካብ ዞባታት ምዕራብ ጉጂን ጌዶም ዝተፈናቐሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተዓቖብሉ ግዚያዊ መዓስከት፣ ብሰንኪ ሕማምን ዓጸቦን ሓያሎ ህጻናት ዝርከቦም ሰባትን ጥሪትን ግዳያት ሞት ይኾኑ ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ብስእሊ ተሰንዩ ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ።

ይኹን’ምበር ብሰንኪ እቲ ሕማምን ጥሜትን ግዳያት ናይዝኾኑ ሰባትን ብዝሒ ጥሪትን ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ኣብቲ ከባቢ፣ ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት ዝተፈናቐሉ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ ከቢድ ስቃይን ምክልባትን እናሕለፉ፣ ክልላዊ ይኹን ፈደራላዊ ኣካል መንግስቲ ቆላሕታ ከይገበረሉ ምጽንሑ’ውን ሕቶታት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ናብቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት ናይ መግቢ ረዲኤት ይልኣኽ እኳ እንተነበረ፣ ናብቲ ዞባ ዘራኽብ መንገድታት ብሰንኪ ግጭታት ብምዕጻው፣ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘጋደዶ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ሕቶታት ቁጠዐን ኣለዓዒሉ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልላው ተፈናቐልቲ ዜጋታት ንምፍታሕ ህጹጽ ዘቤታውን ኣህጉራውን ሓገዛ ኣብ ምእካብ ይርከብ።

ብፍላይ ነቶም ኣስታት 100 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንምርዳእ፣ ብደረጃ መንግስቲ ህጹጽ ረዲኤት ክልኣኽ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፖለቲካዊ ለውጥታት ይካየድ እኳ እንተሎ፣ ጎኑ ጎኑ፣ ገና ንህዝቢ ዘይተቃልዐ ከቡድ ሰብኣዊ ቅልውላው ይስዕብ ከምዘሎ ክዝረበሉ ጸኒሑ’ዩ።

 

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0