እስራኤል፣ ኤርትራዊ ስደተኛ ሓደ ሚልዮን ሽክል ሎተሪ ተዓዊቱ

እስራኤል፣ ኤርትራዊ ስደተኛ ሓደ ሚልዮን ሽክል ሎተሪ ተዓዊቱ

Radio Erena: 15 March 2019

ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ሓደ ሚልዮን ሽክል (ባጤራ እታ ሃገር) ከምዝተዓወተ ሓንቲ መደበር ቴሌቪዥን ካብ ቴልኣቪቭ ገሊጻ።

እቲ ስሙ ዘይጠቕሰቶ ኤርትራዊ፣ ኣብቲ ሎተሪ ዝሽየጠሉ ኪዮስክ ሓጎሱ እናገለጸን ምስ ኣብቲ ቦታ ምስ ዝነበሩ ሰባት እናተሰዓዓመን ዘርኢ ቪድዮ’ውን ኣቕሪባ።

እቲ ብሰሉስ 12 መጋቢት ዝተዓወቶ መጠን ገንዘብ ብዶላር ክሽረፍ እንከሎ ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ወይ 250 ሽሕ ዶላር’ዩ ዝበጽሕ።

ነቲ ሎተሪ ዝሸጠ ወናኒ ኪዮስክ ሚካኤል ጋሊሎቭ፣ እቲ ኤርትራዊ ዝሓኸኮ ሎተሪ ከምዝተዓወተ ምስ ርኣየ ክኣምን ኣይከኣለን ኢሉ።

“ኩልና ኣብቲ ክዮስክ ዝነበርና ሰባት ተገሪምና።” ክብል’ውን ንዝነበረ ናይ ሓጎስ ኩነታት ገሊጹ።

ኣብ እስራኤል መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 35 ሽሕ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባን ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ እስራኤል ካብታ ሃገር ክወጹ ብዝገብረሎም ዘሎ ጸቕጢ፣ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ካብ ኣታዊታቱ 20 ሚእታዊት ብግዴታ ተቖሪጹ ኣብ ባንክ ክቕመጥ ከምዝወሰነ ይፍለጥ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ እትነጥፍ፣ ናዝሬት ዝተባህለት ኣብ እስራኤል እትቅመጥ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ኣብ ኣዘርባዥያን ከተማ ባኩ ኣብ ዝካየድ ፌስቲቫል ኦሎምፒክ መንእሰያት ኤውሮጳ፣ ንኮሚተ ኦሎምፒክ ኤውሮጳ ወኪላ ክትሳተፍ ተረቑሓ።

እታ ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ፣ ምስ ስድርኣ ብከቢድ ናይ ስደት ጉኦዞ ናብ እስራኤል ዝኣተወት መንእሰይ፣ ኣብ ቴልኣቪቭ ምስ እትርከብ ለብ ብምጥርናፍ፣ ኣብ ኣስራኤል ኣብ ዝካየድ ቅድድም ጉያ እግሪ’ያ ትሳተፍ።

ሻምፕዮን ናይ ትሕቲ 16 ዓመት ክትከውን እኳ እንተበቅዐት፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብእትኽተሎ ፖሊስ፣ ነታ ሃገር ብምውካል ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድማት ክትሳተፍ ዕድል ኣይረኸበትን።

እዛ ኤርትራዊት ስደተኛ፣ ኣብ ክረምቲ ኣብ ዝካየድ፣ ፌስቲቫል ኦሎምፒክ መንእሰያት ኤውሮጳ ንምስታፍ ምስ ሃገራዊት ጋንታ እስራኤል ሓቢራ ናብ ከተማ ባኩ ከተምርሕ እኳ እንተኾነት፣ ባንዴራ ኮሚተ ኦሎምፒክ ኤውሮጳ እናምበልበለት’ያ ኣብ ሃገር ኣብ ናይ ምቁራጽን ናይ 2 ስሕ ሜትሮን ቅድድም ጉያ እግሪ ክትወዳደር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0