ንኤርትራ ዝገለለ፣ ዋዕላ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ኣብ ካይሮ ተኻይዱ

ንኤርትራ ዝገለለ፣ ዋዕላ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ኣብ ካይሮ ተኻይዱ

Radio Erena: 21 March 2019

ንኤርትራ ዝገለለ፣ ዋዕላ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘዋስነን ሃገራት ኣብ ካይሮ ተኻይዱ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሶማል፣ ግብጺን ዮርዳኖስን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ኣብ ጸጥታ ክሊ ማይቲ ከባቢ ክህሉ ብዛዕባ ዝግብኦ ምትሕግጋዝ ዘትዩ።

እዘን ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣብ ካይሮ ተመሳሳሊ ዋዕላ ኣካይደን’የን።

እቲ ምትእኽኻብ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ሪያድ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ዋዕላ ‘ውን፣ ነታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነዊሕ ገማግም እትውንን ኤርትራ ከምዝገለላ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ካብ 11 ክሳብ 12 መጋቢት ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዋዕላ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪታት ምክልኻልን ጉዳያት ወጻኢን ተሳቲፎም።

ኤርትራ፣ ኣባል ልፍንቲ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቖመ ምትእኽኻብ ኣብ የመን ናይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት እኳ እንተኾነት፣ ኣብ ዋዕላ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘዋስነን ሃገራት ከይትሳተፍ ትኽልከለሉ ዘላ ምኽንያት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Z with stroke 4 years ago

    Don’t you know that the doomed president isaias is a fugitive leader. So it is inevitable to pass a number of ostracize approach.