ድሕሪ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ለውጢ የለን ክትብል ምኽትል ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ገሊጻ

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ለውጢ የለን ክትብል ምኽትል ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ገሊጻ

Radio Erena: 17 March 2019

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ዋላ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ እውን ዝኾነ ምምሕያሽ ኣየርኣየን ክትብል ምኽትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጻ።

ኣብ ፈለማ መዓልታት ናይዚ ሰሙን ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ምኽትል ኮሚሽነር ኬይት ጊልሞር ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፍርዳዊ፣ ቅዋማዊን ቁጠባዊን ጽገና ምምሕያሻት ከርእየሉ ዝነበሮ ታሪኻዊ ዕድል ኣምሊጡዎ ክትብል ገሊጻ።

ንሳ ኣብ መግለጺኣ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ኣብነት ብምጥቃስ፣ መግረፍትን ስቓይን፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝኣመሰሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ገና ይቕጽሉ ከምዘለዉ ኣመልኪታ።

መንግስቲ ኤርትራ ንዶባዊ ግጭት ከም ጸጥታዊ ስግኣት ብምቑጻር ንመንእሰያት ንዓመታት ከርተት ከብሎም ጸኒሑ፣ ሕጂ ግና እቲ ስግኣተይ ዝብሎ ስለዝተኣለየ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ክእወጅ ከሎ ዝነበሮ ናይ 18 ኣዋርሕ ግዜ ክምለስ ኣለዎ ክብሉ’ዮም ተጋባእቲ ምሕጽንታኦም ኣቕሪቦም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ዝቐረበ ክስታት ኩሉ ድሕሪ ምንጻግ፣ ኣብ ኤርትራ ብዘይመስርሕ ፍርዲ ዝእሰር የለን፣ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ሕሉው እዩ፣ ክብል ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ህሉው ኩነታት ዘይሳነ ምላሽ ብወኪሉ ኣቢሉ ኣመሓላሊፉ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0