ኣርባዕተ ኣትለታትን ሓደ ኣሰልጣንን ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ምስዋሮም ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ

Radio Erena: 28 July 2022

ኣብ ኣመሪካ፣ ክፍለ ግዝኣት ኦሪገን፣ ካብ 15 ክሳብ 24 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ውድድር ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ዝተሳተፉ ኣባላታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቶም ሓሙሽተ ከምዝተሰወሩ መርበባት ዜና ካብቲ ግዝኣት ሓቢረን።

እተን መርበባት ንፖሊስ ኦሪገን ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽአኦ ሓበሬታ፣ እቶም ካብ ሌት ካውንቲ፣ ኣብ 24 ሓምለ ዝተሰወሩ ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ መዝገብ ‘ደሃዮም ዝጠፍአ ሰባት’ ኣስፊርዎም ከምዘሎ ኣረጋጊጸን።

እቶም ዝተሰወሩ ኣትለታት ፊልሞን ዓንደ፣ ሃብቶም ሳሙኤል፣ የማነ ሃይለስላስኤን መርሃዊ መብራህቶምን ክኾኑ እንከለው እቲ ኣሰልጣኒ ድማ በርሀ ኣስገዶም’ዩ።

እንተኾነ ገለ ካብቶም ኣትለታት፣ በብውልቆም ናብ ካልእ ውድድራት ስለዝኸዱ ደኣ’ምበር ስለዝተሰወሩ ወይ ስለዝሃደሙ ከምዘይኮነ፣ ብቀረባ ዝከታተልዎም ወገናት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ይገልጹ ኣለዉ።

ወኪል ኣትሌት መርሃዊ መብራህቱ ጁልያ ጋርሽያ ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብ ኢንስታግራም ምስ መርሃዊ ብሓንሳብ እንከላ ኣብ ዝለጠፈቶ ስእሊ፡ እቲ ወዲ 18 ዓመት ኣትሌት ካብ 1 ክሳብ 6 ነሓሰ፡ ኣብ ካሊ ኮሎምብያ ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ውድድር ጁንየር ዓለም ክሳተፍ ምዃኑ ገሊጻ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ኣትሌት ናብኡ ኣምሪሑ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ካልእ መዘንኡ ወዲ 18 ዓመት ሃብቶም ሳሙኤል’ውን ናብ’ዚ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ሻምፕዮን ዓለም ዘእትዎ ሚኒማ ስለ ዘምጸአ ንሱ’ውን ናብ ካሊ ከም ዝበረረ ይእመን።

ከም በዓል ኦሎምፒካዊ ኣትሌት የማነ ሃይለስላሴ ዝኣመሰሉ ምኩራት ኣትሌታት እንተኾነ’ውን ልምምድ ከካይዱን ክቐዳደሙን ኣብ ኤውሮጳ ንንውሕ ዝበለ እዋናት ስለ ዝጸንሑ፡ ክስወሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ከም ዘይብሉ፡ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ ኤርትራ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ዘለዎ ዜጋ ገሊጹ።

ኤርትራ፣ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም፣ ብክልተ ኣሰልጠንቲ ዝእለዩ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝቐዳደሙ 10 ደቂ’ተባዕትዮን ደቂ’ንስትዮን’ያ ኣሳቲፋ።

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0