ሱዳን፣ ኣንጻር ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ንሻሙናይ ወርሑ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ተወሰኽቲ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 28 July 2022

 

ኣብ ሱዳን፣ ካርቱምን ካልእ ከተማታትን፣ ኣንጻር’ቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ኮሚተ ሓካይም ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብ25 ሓምለ ኣብ ኡምዱርማን ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ሓይልታት ጸጥታ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ብሕውዱ ሓደ ክቕተል እንከሎ ሓያሎ ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ነቲ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር ኣብ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ መላፍንቱ ዝነበረ ሲቪላዊ ወገን፣ ኣብ 25 ጥቅምቲ 2021ብምእላይ ስልጣን ብሒቱ ይርከብ።

ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ፣ ህዝቢ ሱዳን ኣንጻር እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ንልዕሊ 8 ኣዋርሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ነቲ በብእዋኑ ዝልዓል ህዝባዊ ተቓሞታት ንምብታን ኣብ ዝኸፈትዎ ቶኽሲ ዛጊት ኣስታት 116 ሰባት ከምዝቐተሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሐ ጀነራል ዑመር ኣልበሺር፣ ኣብ ሚያዝያ 2019፣ ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ዝእለ፣ እታ ሃገር ርጉእ መሰጋገሪ መንግስቲ ከተቕውም ኣይከኣለትን።

ህዝቢ ሱዳንን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለምን፣ ኣብ 2024 ደሞክራስያዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፣ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ጻውዒት ይገብሩ።

ብፍላይ ኣመሪካ፣ ባንክ ዓለምን ካልኦት መሻርኽቲ ሱዳን ዝኾና ሃገራት ምዕራብን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ብሲቪል ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ክሳብ ዝሰማማዕ፣ ኣቐዲመን ዝኣተዋላ፣ ናይ ቢልዮናት ዶላር ዕዳ ምሕዳግን ተወሳኺ ፊናንስያዊ ሓገዛትን ዝርከቦ መብጽዓታት ደው ኣቢለን ኣለዋ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0