Author: amanuel

ሞዛምቢክ፣ 64 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኮንተይነር ሞይቶም ተረኺቦም
Radio Erena: 24 March 2020
ኣብ ሞዛምቢክ፣ 64 ኢትዮጵያን ኣብ ኮንተይነር ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣረጋጊጹ።
ንሳቶም፣ ኣብ ኮንተይነር ተዓሺጎም፣ ብናይ [...]

ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ልዕሊ 43 ሃገራት ኣፍሪቃ ተራእዩ
Radio Erena: 23 March 2020
ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ 43 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተራእየ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
እቲ ውድብ ብ23 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብዘን ሃገራት፣ ምልክታት ዝተራእዮም ናይ ዝተራ [...]

ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ መገሻታትን ምትእኽካባትን ኣብ ዝውገደሉ ዘሎ እዋን፣ 3 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መመረቕታ መራሒ ናሚብያ ምትእኽኻቦም ይንቀፉ
Radio Erena: 23 March 2020
ብሰንኪ ስግኣት ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ፣ ካብን ናብን ሃገራት ዝካየድ መገሻታት ደው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፣ ሰለስተ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ መመረቕታ ሓድሽ ፕረዚደንት ናሚብያ ንምስታፍ [...]

ፈረንሳ፣ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ እትገብሮ ዘላ ቃልሲ፣ ምንቅስቓስ ሰባት ዝድርት ኣዋጅ ዝጠሓሱ ክሳብ 6 ወርሒ ክትኣስር ምዃና ተጠንቅቕ
Radio Erena: 23 March 2020
ፈረንሳ፣ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ እትገብሮ ዘላ ቃልሲ፣ ምንቅስቓስ ሰባት ዝድርት ኣዋጅ ብተደጋጋሚ ንዝጠሓሱ ክሳብ 6 ወርሒ ክትኣስር ምዃና ዘጠንቅቕ ጽኑዕ ትእዛዝ ተመሓ [...]

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንኤርትራ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ
Radio Erena: 22 March 2020
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ንዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ።
እዚ ብናይ በረኻ ዝፍለጥ ዕስለ ኣንበጣ ሓደ ካብቶም ኣዕነውቲ ዓሌት ኮይኑ [...]

ርክብ ፕረዚደንታት ኬንያታን ፋርማጆን ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ተሰሪዙ
Radio Erena: 22 March 2020
ዝምድና ሶማልን ኬንያን ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዘተ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ንዘይተፈልጠ እዋን ከምዝተናወሐ ተገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣሕመድ ዒሳ ዓወድ ምስ ማዕከናት [...]

ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ
Radio Erena: 22 March 2020
ተላባዒ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ሚኒስትሪ ጥዕና ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ዜና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ንሓደ ካብ ኖርወይ [...]

ኣፍሪቃ፣ ንመኸተ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተዳልያ ክትጸንሕ መዘኻኸሪ ቀሪቡ
Radio Erena: 20 March 2020
ምስፍሕፋሕ ኮረናቫይረስ ኣብ 33 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተራእየ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ እታ ኣህጉር ንመኸተ ለበዳ እቲ ቫይረስ ድልውቲ ክትከውን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዘኻኺሩ።
ኣብ [...]

ዋጋ ነዳዲ፣ ንሓደ በርሚል ናብ ኣስታት 25 ዶላር ወሪዱ
Radio Erena: 20 March 2020
ዕዳጋታት ዓለም ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ቀውሲ ኣትዮዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ዋጋታት ነዳዲ ኣብዚ 18 ዓመታት ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወሪዱ ይርከብ።
ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ብዘሎ ዕዳጋታት መሰ [...]

ሕቡራት ሃገራት፣ ምጥያስ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ንግዜኡ ደው ከምዝበለ ኣፍሊጡ
Radio Erena: 19 March 2020
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታትን ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታትን፣ ምጥያስ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ፣ ካብዚ ሰሙን'ዚ ኣትሒዙ ንግዜኡ ደው ከምዝበለ ኣፍሊጦም።
እቶ [...]